እስራኤል ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብዘይድሌቶም ናብ ሩዋንዳ ንምስጓጎም ንእትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ንምቅዋም ኣብ ስቶኮልም ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

እስራኤል ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብዘይድሌቶም ናብ ሩዋንዳ ንምስጓጎም ንእትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ንምቅዋም ኣብ ስቶኮልም ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 22 April 2015

Israelrefugee

እስራኤል፣ ኣብ ሃገር ንዘለዉ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ዝርከብዎም ስደተኛታት እትኽተሎ ዘላ ፖሊሲ ንምቅዋም፣ ብሰኑይ 20 ሚያዝያ ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልም ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

እቲ ብኣቆጻጽራ ሽወደን ካብ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ዝጸንሐ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ነቲ እስራኤል መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ንምጥራዝ እትገብሮ ዘላ ስምምዓት ዝቃወም’ዩ።

 

እቲ 10ታት ኤርትራውያንን ዜጋታት ደቡብ ሱዳንን እስራኤልን ዝተሳተፍዎ ሰለማዊ ሰልፊ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕታት ብምኹናን፣ እስራኤል መሰል ደቂ ሰብ ክትሕሉ’ውን ዝጽውዑ’ዩ።

እቶም ሰለፈኛታት ንመንግስታት እስራኤልን ሩዋንዳን ኮኒኖም።

ኣንጻር’ቲ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ንምቅዋም ኣብ ስቶኮልም ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ዝወደቡ ወገናት ኣብ ካልኦት ሃገራት’ውን ተመሳሳሊ ሰለማዊ ሰልፍታት ክካየድ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

ኣብ እስራኤል ልዕሊ 42 ሽሕ ስደተኛታት ክህልዉ እንከለዉ እቶም ዝበዝሑ ዜጋታት ኤርትራ’ዮም።

መንግስቲ እስራኤል ነዞም መሰል ስደተኛታት ዝነጸጎም ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ብዘይድሌቶም ናብ ሩዋንዳን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ንምጥራዞም ጽዑቕ ዕማም ኣብ ምክያድ ይርከብ።

=================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0