እስራኤል፣ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ኤርትራዊት ቆልዓ ዝዓመጸ ጥርጡር ተኣሲሩ

እስራኤል፣ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ኤርትራዊት ቆልዓ ዝዓመጸ ጥርጡር ተኣሲሩ

Radio Erena: 15 June 2018

Haktiva Israel

ኣብ እስራኤል፣ ንጓል ሽዱሽተ ዓመት ኤርትራዊት ቆልዓ ዝዓመጸ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ማዕከን ዜና ሃረጽ ሓቢሩ።

እቲ ኣቪ ጌታ ዝተባህለ ወዲ 48 ዓመት እስራኤላዊ፣ ነታ ካብ ሓተቲ ዑቕባ ዝኾኑ ኤርትራውያን ዝተወልደት ቆልዓ፣ ሃቲክቫ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ደቡብ ቴልኣቪቭ፣ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ብምውሳድ ከምዝዓመጻ’ዩ ተኸሲሱ ዘሎ።

ጌታ፣ ድሕሪ’ቲ ዝፈጸሞ ኣነዋሪ በደል ብኡ ንብኡ ከምዝተታሕዘ ፖሊስ እስራኤል ይገልጽ።

እዚ ተኸታታሊ ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻሙ ተኸሲሱ ዘሎ እስራኤላዊ፣ ኣቐዲሙ’ውን ብተመሳሳሊ ገበን ን14 ዓመታት ዝተኣሰረን ፍሉይ መከታተሊ ተጌርሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተፋነወን ጸብጻብ ሃረጽ የመልክት።

ኣብዛ ኤርትራዊት ቆልዓ ተፈጺሙ ዘሎ ኣነዋሪ በደል፣ ኣብ እስራኤልን ካልኦት ሃገራትን ዝርከቡ ኤርትራውያን ወለዲ፣ ንቆልዑ ብዘይኣላዪ ክኾኑን በይኖም ኣርሒቖም ክኸዱ ከምዘይብሎምን ዘዘኻኻር ዘሕዝን ፍጻሜ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0