እስራኤል፣ ከንቲባ ከተማ ፐታህ ቲክቫ፣ ነበርቲ ንስደተኛታት ክከታተልዎም ይእዝዝ

እስራኤል፣ ከንቲባ ከተማ ፐታህ ቲክቫ፣ ነበርቲ ንስደተኛታት ክከታተልዎም ይእዝዝ

Radio Erena: 04 February 2019

ከንቲባ እስራኤላዊት ከተማ ፔታህ ቲክቫ፣ ነበርቲ ዝኾኑ ዜጋጋት፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታታትን ሓተቲ ዑቕባን ምክትታል ክገብሩ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ማዕከን ዜና ሃረጽ ሓቢሩ።

ከንቲባ ራሚ ግሪንበርግ ነዚ ትእዝዛ ዘመሓላለፈ፣ ካብ ኤርትራን ሱዳንን ንዝመጹ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ካብታ ከተማ ንምርሓቖም’ዩ ተባሂሉ።

እንተኾነ እቲ ንሱ ኣመሓላሊፍዎ ዘሎ ትእዛዝ፣ ንበዓል መዚ ስድተኛታት እታ ሃገር ዝምልከት ስለዝኾነ ሕጋውነት የብሉን’ዮም ዝብሉ ንመሰል ስደተኛታት ዝጣበቑ ትካላት እታ ሃገር።

ከንቲባ፣ ራሚ ብዛዕባ’ዚ ንሱ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ መብርሂ ክህብ እንከሎ፣ ንከተማና ካብ ገበን ንምውሓስ’ዩ ድሕሪ ምባሉ፣ እዚ ትእዝዛ እዚ ነቶም ብዘይፍቓድ ንዝኣትዉ ዝምልከት ምዃኑ ጠቒሱ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ኾልት ሒዝዎም ንዝነበረ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ 480 ሓተቲ ዑቕባ ፔታህ ቲክቫ ናብ እትርከበን ሸውዓተ ከተማታት ኣትዮም ከይሰርሑ ከምዝኸልከሎም ዝፍለጥ’ዩ።

ይኹን’ምበር ብዛዕባ’ዚ ነቶም ሓተቲ ዑቕባ ዝተዋህቦም ውሳኔ፣ ኣብቲ ሒዞሞ ዘለዉ ቪዛ ምልክት ዝተገብረሉ ስለዝኾነ፣ ናይ ምጽራዩ መስርሕ ንበዓል መዚ ስደተኛታት ደኣ’ምበር ንከንቲባ እታ ከተማን ነበርታን ዝምልከት ከምዘይኮነ ተጣበቕቲ መሰል ስደተኛታት የተሓሳስቡ።

ኣብ ፔታህ ቲክቫ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ዝኾኑ ኣስታት 2 500 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣለዉ።

እዚ ብዝሒ’ዚ ሓደ ሚእታዊት ካብ ጠቕላሊ ነበርቲ ናይታ ከተማ ምዃኑ ጸንጻን ሃረጽ የነጽር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0