እስራኤል፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ሓተቲ ዑቕባ፣ ንደቆም ኣብ ትምህርቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ተነጽሎ ዝቓወም ጥርዓን ኣቕሪቦም

Radio Erena: 05 August 2021

ኣብ እስራኤል፣ ምምሕዳር ከተማ ቴልኣቪቭ – ያፎ፣ ካብ ስደተኛታት ንዝተወልዶ ቆልዑ፣ ኣብ ትምህርቲ ዘጋጥሞም ንዘሎ ኣሉታዊ ኣድልዎን ተነጽሎን ዝቓወም ጥርዓን ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበ ማዕከን ዜና ሀረጽ ሓቢሩ።

ማዕከን ዜና ሃረጽ ኣቐዲሙ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብቲ ምምሕዳር ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ገሊኤን ልዕሊ 91.5% ደቂ ስደተኛታት ጥራይ ዝመሃሩለን’ዮም።

እዚ ድማ፣ ሓተቲ ዑቕባ ካብ ዝኾኑ ስድራቤታት ዝተወልዱ ቆልዑ ምስ እስራኤላውያን ቆልዑ ከይተሓናፈጹ፣ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጸመ ናይ ኣድልዎን ተነጽሎን መስርሕ ምዃኑ ‘ዩ ተመልኪቱ።

ስደተኛታት ዝኾኑ ኣስታት 325 ወለዲ፣ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቦሞ ዘለዉ ጥርዓን፣ ደቂ ሓተቲ ዑቕባን ወጻእተኛታትን ንበይኖም ተፈልዮም ዝመሃርሉ፣ ኣዋጅ ይኹን ፖሊሲ ክስረዝ’ዮም ዝጠልቡ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሃረጽ፣ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቴል ኣቪቭ – ያፎ፣ ካብ ሓተቲ ዑቕባ ካብ ዝተወልዱ 2433 ቆልዑ፣ እቶም 2228 ንበይኖም ተነጺሎም፣ ንስደተኛታት ኣብ ዝተሓዝአ ናይ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ’ዮም ክመሃሩ ጸኒሖም።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ራድዮ ኤረና

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0