እስራኤል፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ዘዳለውዎ ቅብኣ ብዘይ ኣስማት ንምርኢት ክቐርብ’ዩ

Radio Erena: 27 February 2020

እስራኤል፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ዘዳለውዎ ፍርያት ቅብኣን ካልእ ስነ ጥበባዊ ፍርያትን ብዘይ ኣስማት ንምርኢት ክቐርብ ምዃኑ ዮርሳሌም ፖስት ሓቢሩ።

እቲ ብስደተኛታት ኤርትራን ሱዳንን ዝተዳለወ ቅብኣን ካልእ ስነጥበባዊ ስርሓትን፣ ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት ኣብ ከተማ ቴልኣቪቭ ኣብ ዝዳሎ ዓቢ ምርኢት፣ ጎኒ ጎኒ ብዓበይቲ እስራኤላዉያን ስነጥበባውያን ዝፈረየ ስርሓት ክቐርብ እኳ እንተኾነ፣ ኩሉ’ቲ ናይ ጥበብ ፍርያት ብዘይ ኣስማት ከምዝቐርብ’ዩ ተጠቒሱ።

እቲ ምኽንያት ድማ፣ ተዓዘብቲ ንስነጥበብ ከድንቑ ደኣ’ምበር፣ ብመንነት ዝኾነ ዓይነት ኣድልዎ ከይገብሩ ዝዓለመ ምዃኑ ኣወሃሃዲት ናይቲ መደብ ስነጥበባዊት ያኢል ፊባክ ኢያን ገሊጻ።

ንሳ፣ ንኩነታት ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ድሕሪ ምዕዛብ፣ ኣብ እስርኤል ኩሉ ዕድላት ተኸሊኦም እኳ እንተለው፣ ንኹሉ ውሽጣዊ ስምዒታት ዝገልጽ ስነ ጥበብ ግና መተንፈሲ ክኸውን ከምዝኽእል’ያ ትኣምን።

ስድራቤተይ፣ ካብ ናይ ሃሎኮስት ህልቂት ዝሃደሙ’ዮም ዝበለት እታ ስነ ጥበባዊት፣ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ሳላ ዝሃበቶም፣ ህይወቶምን መንነቶም ክዕቕቡ ከምዝኸኣሉ ብምዝኽኻር፣ ምስዚ ሕጂ ንኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ገጢምዎም ዘሎ ኩነታት ብምንጽጻር ኣረዲኣ።

ኣብ እስራኤል፣ ስነጥበባዊ ፍርያት ሓተቲ ዑቕባ ንምርኢት ክቐርብ እዚ ናይ ፈለማ እኳ እንተዘይኮነ፣ ምስ ዓበይቲ ስነጥበባውያን ብሓባርን ብዘይ ኣስማትን ክቐርብ ግና ንፈለማ እዋን’ዩ።

እቲ ብዘይኣስማት ዝቐርብ ስነ ጥበባዊ ፍርያት፣ ኣብ ማእከል ቴልኣቪቭ፣ ሃመካረረን ኣብ ያፎ፣ ጻድቕ ጋለሪን ንኣስታት ሓደ ወርሒ ንምርኢትን መሸጣን ክፉት ክኸውን’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0