እስራኤል፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ብግዴታ ክቑረጸሎም ዝጸንሐ መጠን ገንዘብ፣ ኣብ ናይ ውሸባ እዋን፣ ገለ ክፋሉ ክምለሰሎም ከምዝኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 02 April 2020

ሃገራት፣ ብሰንኪ ሕማም ኮረና ቫይረስ ውሸባ ኣብ ዝእውጃሉ ዘለዋ እዋን፣ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣስታት 30 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ጎኒ ጎኒ ስግኣት ‘ቲ ሕማም፣ ጉዳይ ሽቅለት ኣልቦነትን ድሕነት ሕክምናን የሻቕሎም ከምዘሎ ሃረጽ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ማዕከን ዜና ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ መንግስቲ እስራኤል፣ ንኮረና ቫይረስ ንምግታእ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ መደባት፣ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ንዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ’ውን ማዕረ ዜጋታቱ ኣብ ናይ ምክትታል መስርሕ ኣእትዎም ኣሎ።

ይኹን’ምበር እዞም መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ 10ታት ኣሽሓት ሓተቲ ዑቕባ፣ ብሰንኪ እዚ ናይ ውሸባ እዋናት፣ ናይ ስራሕ ዕድላት ስለዘይህልዎም፣ ዝሕግዞም ኣካል ከምዘይህሉ’ዩ እቲ ጸብጻብ ዝጠቕስ።

እቶም ሓተቲ ዑቕባ ካብቲ ብመንግስቲ ዝሽፈን ድሕነት ሕክምና ዝተገለሉ ምስ ምዃኖም ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ድሕነት ትካላት ክጥቀሙ ዝጸንሑ ሓተቲ ዑቕባ ስራሕ ኣብ ዘይብሎም እዋን ክህልዎም ዝኽእል ካልእ ብድሆ’ውን ተመልኪቱ ኣሎ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ካብቶም ሓተቲ ዑቕባ ብግዴታ ክቑረጽ ዝጸንሐ መጠን ገንዘብ፣ ስራሕ ኣብ ዘይረኽብሉ ናይ ውሸባ እዋን፣ ወርሓዊ ክሳብ ኣስታት 3 ሽሕ ሽክል( 840 ዶላር) ክመልሰሎም መደብ ከምዘሎ’ውን እቲ ማዕከን ዜና ኣንፊቱ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ምስፍሕፋሕ ሕማም ኮረና ቫይረስ ብዝልዓለ ናህሪ ኣብ ዝላባዓሉ ዘሎ ዞባ ኤውሮጳ፣ ድሕነት መነባብሮ ናይቶም መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሓተቲ ዑቕባ ቆላሕታ ክግበረሉ ብዝተፈላለያ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።

ፖርቱጋል ኣቐዲማ፣ ብሰንኪ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ዝኣወጀቶ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ክሳብ ዘሎ፣ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን፣ ናጻ ናይ ሕክምና ድሕነትን ወርሓዊ ንመነባብሮ ዝሕግዝ ክፍሊትን ምምዳባ ኣፍሊጣ’ያ።

መንግስቲ ፈረንሳ ብወገኑ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ንዝርከቡ ኣሽሓት ሓተቲ ዑቕባ፣ ክሳብ እዚ ናይ ውሸባ እዋን ዘብቅዕ ናብ ግዝያዊ መዕቆቢ ከግዕዞም ንዘቕረቦ ውሳኔ፣ ብዘይድሌት እቶም ስደተኛታት ከይከውን እቶም ተጣበቕቲ ይምጉቱ።

ኣብ ኢጣልያ’ውን ኤርትራውያን ዝርከብዎም መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን፣ ኣብዚ በዳሂ እዋን ናይ መነባብሮ ጸገም ከይገጥሞም ብዝተፈላልዩ ትካላት ግብረ ሰናይ ይሕገዙ ምህላዎም’ዩ ዝጥቐስ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0