ኤርትራ ኣብ እትርከበን 10 ሃገራት፣ መሰል ሃይማኖታት ኣብ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ ከምዘሎ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ገሊጹ

ኤርትራ ኣብ እትርከበን 10 ሃገራት፣ መሰል ሃይማኖታት ኣብ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ ከምዘሎ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ገሊጹ

Radio Erena: 13 December 2018

churchs ኤርትራ ኣብ እትርከበን 10 ሃገራት፣ መሰል ሃይማኖታት ኣብ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ኩነታት ከምዘሎ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብሰሉስ 11 ታሕሳስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ክፍሊ፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ ዝርከባ ኢሉ ዝረቑሐን ሃገራት፣- በርማ፣ቻይና፣ ሰሜን ኮርያ፣ ኢራን፣ ፓኪስታን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሱዳን፣ ታጂኪስታንን ቱርኪመንስታንን’የን።

ኣብ ሩስያ፣ ኮሞሮስን ኡዝበኪስታንን ድማ ዝያዳ ምክትታል ዘድልዮ ኩነታት ከምዘሎ እቲ ክፍሊ ይጠቕስ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዓመታዊ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፣ ንኤርትራ ምስተን ብመሰል ሃይማኖታት ኣብ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ ዝርከባ ሃገራት’ዩ ዘቀምጣ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብሰንኪ እምነቶም ዝተኣስሩ መራሕቲ ሃይማኖታት ዝርከብዎም ኣማኢት ሰባት ግዳያት ስቓይን ሞትን ከምዝኾኑ ይፍለጥ።

ኣብ ሓያሎ ሃገራት ሰባት ብሰንኪ እምነቶም ንስቓይ ይቃልዑ ኣለዉ ዝበለ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖሞዮ፣ ኣመሪካ ነዘን ከምዚ ዝኣመሰለ ግፍዒ ዝፍጽማ ሃገራት ከምዘይትጻወር ጠቒሱ።

ይኹን’ምበር ምምሕዳር ትራምፕ፣ ኣብ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ዓለምና ተገዳስነት ከምዘይብሉ፣ መርኣያ ናይዚ ድማ ካብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከምዝሰሓበን ሓያሎ ወገናት ርእይቶታቶም ይህቡ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0