ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ሓደጋ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ከጋጥመን ተኽእሎ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 05 September 2021

ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ሓደጋ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ከጋጥመን ተኽእሎ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ኣህጉራዊ ምክልኻል ሰብኣዊ ቅልውላው ብዓርቢ 3 መስከረም ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፣ ኣብ ሱዳን፣ ሶማል፣ ጫድን የመንን ዕስለ ኣንበጣ ዝጫጭሓሉ ከባቢታት ድሮ ምልክታት ኣርእዩ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ኣብቲ ዞባ ቀንዲ ስግኣት ክፈጥር ይኽእል’ዩ ተባሂሉ መጠንቀቕታ ዝመሓላለፈሉ ዘሎ ግና፣ ኣብ ከበሳታት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝጸፍይ ዘሎ ዕስለ፣ ክራማት ወዲኡ ዘራእቲ ንምዕጻድ ኣብ ዝዳለወሉ እዋን ብብዝሒ ክጫጭሕ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣሚቱ።
ዝበዝሐ ክፋል ሰሜን ኢትዮጵያ ናይ ኲናት ዞባ ኮይኑ ብምህላዉ፣ ብእዋኑ ንምክትታልን ምቁጽጻርን ዘይከኣል ኮይኑ’ሎ ክብል እዩ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ዝገልጽ።
ኣብ ገለ ከባቢታት ዓፈር ናይ ኢትዮጵያ ዝጸፍይ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ብካልእ ወገን ምስቲ ኣብ ሶማል ዝቀላቐል ዘሎ ዕስለ ክጽምበር ዝኽእል’ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኤርትራ ከቢድ ሓደጋ ከየስዓበ ናብ ቀይሕ ባሕሪ፣ የመንን ስዑዲ ዓረብን ክሳግም ተኽእሎ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0