ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ግጥማት ሴካፋ ዘይትሳተፈሉ ምኽንያት ብሰንኪ ኣብያ ኣአንጋዲት ኢትዮጵያ ምዃኑ ተገሊጹ

ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ግጥማት ሴካፋ ዘይትሳተፈሉ ምኽንያት ብሰንኪ ኣብያ ኣአንጋዲት ኢትዮጵያ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 11 November 2015

natteam1

ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ዘይትሳተፈሉ ምኽንያት፣ ብሰንኪ ኣብያ ኣአንጋዲት ሃገር- ኢትዮጵያ ምዃኑ ኣሶሸተድ ፕረስ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ኣብ መሬታ ኣብ ዝካየድ ዞባዊ ግጥም ንኤርትራ ከተእንግዳ እንዘይፈቐዲዳ፣ ድሌታ ከነኽብር ጥራይ’ዩ ዘሎና ክብል ዋና ጸሓፊ ሴካፋ፣ ኒኮላስ ሙሰንየ ምግላጹ’ውን ጸብጻብ ኣሶሸትድ ፕረስ ካብ ኡጋንዳ የረድእ።

ኣቐዲሙ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ፣ ኤርትራ ኣብዚ ካብ 22 ሕዳር ኣትሒዙ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዞባዊ ግጥም ዝተገለለትሉ ምኽንያት ብሰንኪ ህድማ ተጻወቲ ምዃኑ’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

 

ዋና ጸሓፊ ማሕበር ክuኦሶ እግሪ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ኒኮላስ ሙሰንየ ከኣ፣ ኤርትራ ካብዚ ግጥም ከምዝተገለለት እንተዘይኮይኑ፣ ስለምንታይ ከምዝተገለለት ብንጹር ኣይጠቐሰን።

ኣሶሸትድ ፕረስ ትማሊ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ መሰረት ግና፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳለወቶ ዞባዊ ግጥም ንኤርትራ ከምዘይተእንግድ ገሊጻ ኣላ።

ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ካብ ፈደረሽናት ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ይኩን ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መግለጺ የለን።

ኤርትራ ድሕሪ’ቲ ተደጋጋሚ ዘጋጠማ ህድማ ተጻወቲ፣ ካብ 2013 ንደሓር ካብ ዞባውን ኣህጉራውያን ግጥማት ተገሊላ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ቅድመ መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ንምክያድ ናብ ቦትስዋና ከምዘምርሐት ኣይርሳዕን።

እንተኾነ 10 ካብ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ኣብ ቦትስዋና ዑቕባ ንምሕታት ኣብታ ሃገር ምትራፎም’ውን ኣብ መዳይ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ተወሳኺ ጸሊም ነጥቢ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0