ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣብ ካልቫዶስ (ኤርትራ ኣብ ሰነድ ፈረንሳ)

ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣብ ካልቫዶስ (ኤርትራ ኣብ ሰነድ ፈረንሳ)

Radio Erena: 14 August 2015 

P1

     ድምጻዊ ቴድ ኣፍሮ ‘ሸማ- ደ- ፌር’ እናኸንጎድጉድ፣ ብምስትንታን እናቖዘመ ደድሕሪኡ ዝደግም መሳድድቲ ኔሩኒ’ዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ።  ‘ሸማ- ደ- ፌር’ ክርድኦ ዘይክኣልኩ ቃል ኣምሓርኛ’ዩ ዝመስለኒ ዝነበረ። በዛ ደርፊ ኣመና ምሱጥ ዝኾነ መሳድድተይ ግና፣ ‘ሸማ- ደ- ፌር’ ብቋንቋ ፈረንሳ መንገዲ ባቡር ምዃኑን፣ ባቡር ንኣፍቃሪቱ ሒዝሉ ንድሬዳዋ ገጹ ምሕንቡን ኣዘንተወለይ። ንፉዕ ደጋማይ ጥራይ ዘይኮነ ዘእምን ኣዘንታዋ’ዩ’ውን። ደርፍታት እናደገመ ሰብ እንተዘዘናግዕ’ውን ዕዳጋ ኣይምሰኣነን። ከም ወዮ ደርፍታት እናደገሙ፣ ጉዳይ ንግዶም ዝገብሩ ዘለዉ ገሊኦም ደረፍቲ ማለት’ዩ። ግደ ሓቂ ካብ ደረፍቲ ደገምቲ እንዝተብሃሉ ቅኑዕ ናይ ሞያ ስም ምረኸቡ።

     ናይ ኣዲስ መሳድድተይ ብዙሕ ዝምስጥ ባህርያት’ዩ ዘለዎ። ብቃል ፈረንሳ ዝተደርፈ ክሳብ ክንድዚ ክርድኦ ምኽኣሉ ከኣ’ሞ ዝያዳ’ዩ መሲጡኒ። ተመሲጠ ግዲ ተዓዚቡ ኸኣ፣ ታሪኽ መንገዲ ባቡር ኢትዮጵያን ፈረንሳን ሓደ ብሓደ ምሂሩኒ። ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ላ-ጋር ዝተባህለ ከባቢ’ውን ብቋንቋ ፈረንሳ መደብር ባቡር’ዩ።

     ሓድግታት ፈረንሳን ኣብ  ኢትዮጵያን ኣብ ሸማ- ደ ፌርን፣ ላ-ጋርን ፈረንሳይ ለጋስዮን ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ኣብ ዘመነ ሚኒሊክ ዝፈለመ ጽልዋታት ፈረንሳ፣ ሓድግታቱ መሊኡዋ’ዩ።

     ምትእስሳር ኤርትራን ፈረንሳን ኣብ እዋን ንጉስ ሚኒሊክ ናይ ኢትዮጵያ ምቅልቃሉ ዝህብ ሓያሎ ኣንፈት’ዩ ጎኒፉኒ። ብዝያዳ ኸኣ ኣብ ግዜ ኢምቤራጦርያዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ደሚቑ። 

     ካብ መግዛእቲ ኢጣልያ ናብ ኢትዮጵያ ዝሃደሙ ናይ ፖለቲካን ዲፕሎማስያን መንቋቋሕታ ዝነበሮም ኤርትራውያን፣ ኢትዮጵያ ናይ ስልጣን ክፍተታ ንምምላእ ትጥቐመሎም ምንባራ ይዕለል’ዩ። ሓደ ካብዚኣቶም’ውን ሰንዓፈ ዝዓዱ ሎሬንሶ ታእዛዝ ነበረ።  ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ሚኒስተር ፍትሕን ኢትዮጵያ ነበረ ዶክተር ሎሬንሶ ታእዛዝ፣ ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ ኣብ እትርከብ ዩኒቨርሲቲ ሞንፐልየ ንሸሞንተ ዓመታት ሕጊ ዝተማህረ’ዩ። 

     ድሕሪ’ዚ ናይ 1930ታት ሌላ ኤርትራዊ ምሁር ምስ ፈረንሳ፣ በብእዋኑ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኤርትራውያን ኣብ ዩኒቨርሲታት ሰርቦን፣ ሲተ፣ ናንተር፣ ሞንፐልየን ካልኦትን ክመሃሩ ዕድል ረኺቦም’ዮም።

 

+++++++++++++++

Le Harv 

     ኣብ 1980ታት ገድሊ ኤርትራ ኣብ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ኣብ ፓሪስ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ምንባሩ ሰነዳቱ ጌና ኣይሃሰሰን። 

     ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ፓሪስ ከመይ ነበረ? ንኡስ መጽናዕቲ ከካይድ ተበጊሰ ኣለኹ። ዘስሕቕን ዘሕዝንን ተረኽቦታት ኣይሳኣኖን። ከም ወትሩ መጽናዕተይ ካብ ኣብያተ ሻህን ካፈታትን ዝነቅለዩ’ሞ ጎደሎ እንተለዎ፣ ፈቐዶ ኣብያተ ሻሂ እናተጓዓዝኩ ካልእ እዋን ክምልኣልኩም’የ። 

     ኣብ ፓሪስ ዕሉል ደጋፊ ህዝባዊ ግንባር ምንባሩ ዝፈልጥዎ ይምስክሩ። ርሱን እዋን ምስ ምንባሩ ኣብ ፓሪስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፣ ምስ ኤርትራ ምትእስሳር ዘለዎም ዜጋታት ካልኦት ሃገራት’ውን ስምዒታቶም ናብ ሳሕልን ባርካን ኣውሪድዎም’ዮም። ገሊኦም’ውን ስም ሳሕል ተጠሚቖም ተመልሱ። ሓደ ካብኣቶም ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ሂላል ነበረ።

     ናፍዕ ኩርዲ፣ መበቆሉ ኩርዳዊ’ዩ። ካብ ቃልሲ ኩርዳውያን ንላዕሊ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘበርከቶ ይዓዝዝ። ኣብ ፓሪስ ካብ ኣውራ ተጸዋዕቲ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ምስ ምንባሩ፣ ድሕሪ ናጽነት ካብ ቀዳሞት ኣምባሳደራት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ንምዃን በቒዑ። 

     ምትእስሳር ኤርትራን ፈረንሳን መጽናዕቲ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበርኩ እዋን ከኣ’የ ናፍዕ ኩርዲ ኣብ ፈረንሳ ንሓያሎ ዓመታት ተኣሲሩ ምንባሩ ዝሕበር ኣንፈት ዝረኸቡ። ምናልባት ከም ፍጻሜ ካራቺ ናይ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ምስ ፖለቲካዊ ወይ ወትሃደራዊ ምንቕስቓስ ዝተተሓሓዘ እንተኾነ መጽናዕተይ ካብ እንዳ ሻሂ ወጻኢ ከዕምቖ ፈቲነ። ዝርዝር ሰነድ ኣብያተ ማእሰርትን ቤት ፍርድን ንምርካብ ቀሊል ኣይነበረን።

     ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ነበር፣ ኩርዳዊ ዝመበቖሉ ኤርትራዊ ናፍዕ፣ ኣብ ፈረንሳ ሓያሎ ዓመታት ዘእሰሮ ምኽንያት ቅትለት ሰብ ምዃኑ ከብርሃለይ ዝኸኣለ ፈላጢኡ ረኺበ ኣለኹ። ስሙ ከይጠቕሶ ስለዘጠንቐቐኒ ኣይክጠቕሶን’የ።

     “ኣንታ ሎሚ’ሲ ሰባት ተወዲኦም ድዮም? ናብ በዓል ናፍዕ ኩርዲ ወሪድኩም፣” ክብል ሓጪጩ።

     “ኤርትራ ብእትውክሎም ሰባት’ያ ክትልዓል፣ ኣብ ፈረንሳ ናፍዕ ስለዝወከለት ናብ ናፍዕ ወሪድና ኣሎና፣” ካብ ላግጺ ከውጽኦ እናደለኹ’የ።

     ሃገራት ብዝውክልኦም ሰባት ክልለያ ባህርያዊ’ዩ። ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ንኤርትራ ስለዝወከለ ኣብ ፈረንሳ ስማ ብስደት ተደዊኒ ዝቀነየ ኤርትራ ንግዜኡ ክቕየር ክኢሉ’ዩ። ዘርእሰናይ’ውን ኣብ ኢሎምፒክ ኣቴንስ ተመሳሳሊ። 

     ናፍዕ ኩርዲ ሕጋውያን ወግዓውን ወኪል ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ከም ምንባሩ መጠን፣ ኣብዚ ንኤርትራን ፈረንሳን ከተኣሳስረለይ ዘልዓልክዎ ኣርእስቲ እንተተጠቕሰ ሓጥያት የብሉን።

     “ካብ ናፍዕ ድኣ ዝያዳ ንሓዉ’የ ዝፍለጥ፣ ንሱ’ውን ኣብ ካይሮ ወኪል ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ’ዩ፣” ዕላሉ ቀጸለ ኣዘንታዋይ።

     “ናይ ሰብ ካይሮ፣ ካይሮ ምስ በጻሕና ከነርክበሎም ኢና፣ ናይ ሰብ ፓሪስ ደኣ ንግበር፣” ዕላልና ስድራ ምሉእ ከይተናኽፍ እናተጠንቐቕኩ’የ።

     “ብጉዳይ ቅትለት ሓደ ኣልጀርያዊ ዝመበቆሉ ፈረንሳዊ’ዩ ተኸሲሱ፣ እዚ ግና ቀደም’ዩ፣ ቅድሚ ኣምባሳደር ምዃኑ፣” ናይ ግዜ ምትሕውዋስ ከይፈጥረለይ እናሰግአ’ዩ።

     “ንሱ’ሲ ሓቕኻ ቀደም’ዩ፣ ስለምንታይ ግና ነቲ ኣልጀርያዊ ቀቲልዎ?”

     “ወላሂ፣ ብሰንኪ ሓንቲ ጓል ተባኢሶም’ዩ ዝብሃል፣” ናብ ዘይርጉጽነት ዛዘወ። 

     ዝሰዓበ ፍጻሜታት’ውን ዘይርግጹነት ስለዝዓብለሎ ኣብዚ ጽሑፍ ከጠቓልሎ ኣይወሰንኩን። ምናልባት ካብ ኣምባሳደር ንላዕሊ፣ ታሪኽ ኦቴሎ ንምድጋም ዝበቕዐ ሼክስፔራዊ ጅግና ‘ዩ ንምባሉ ዝቐልል ክኸውን ስለዝኽእል።

     ናፍዕ ኩርዲ ብዘይካ’ዚ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሮ መዝነት ወኪል መንግስቲ ኤርትር ኣብ ማሕበር ሃገራት ዓረብ’ውን ምንባሩ ትዝክሩ ኣይትሰኣኑን። 

     ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዲፕሎማሲ ካብ ዘለዎ ጽልዋ ንላዕሊ ኣብ ፍቕርን ፍቑራትን ዘለዎ ዛንታ ዝዓቢ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ። ካልእ ኣገዳሲ ታሪኻዊ ፍጻሜ ስለዘይረኸብክሉ ብናፍዕ ኩርዲ ክውድእ’የ መሪጸ። ደሓር ከኣ ኣብ ከተማ ፍቕሪ፣ ፍቕሪ ደኣምበር ዲፕሎማሲ ቦታ የብሉን። 

     ፓሪስ ኣምሰሉ’ያ ዝበለ ፈረንሳዊ ገጣማይ ግዳ ዘኪረ። 

     ቦድሌር፣ ንፓሪስ ክልተ ኣንጻራት እናቀመጠ’ዩ ስኢሉዋ። ከተማ ኵናትን ሰላምን፣ ባእሰን ፍቕርን፣ ሽርሕን ዲፕሎማስያን ፣ ድኽነትን ሃብትን፣ ብኽያትን ሰሓቕን….በቃ ኩሉ ኣንጻራት ዝሓቖፈት ከተማ። 

     ንነገሩ ኣምባሳደራትና፣ ካብ ኣብ ዲፕሎማስያ ንላዕሊ ኣብ ፍቕርን ኣፍቀርትን ዕዉታት ኮይኖም ምህላዎም ካብ ርሑቕ ምብራቕ ዝሰማዕክዎ ወረ ኣሎሞ’ ኣብ ካልእ እዋን ከውግዓኩም’የ። 

     ኣብዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ብዙሓት ኦቴሎ፣ ሮምዮን ጁልየትን ተረኺቦም ኣለዉ። ተሳኢኑ ዘሎ ማክበት’ዩ።

 

++++++++++++++++++ 

Pp 

     ኣብ ፓሪስ፣ እግሪ ኣይፍል ታወር ኣብ ዝርከብ ጎልጎል ሻ-ደ-ማርስ ብቋንቋታት ዓለም ዝተጻሕፈት ሓንቲ ቃል ኣላ። ገምቱ እንተትብሃሉ መብዛሕትኹም ቅኑዕ ምመለስኩም። 

     ብታሪኽ ውግእ ዝተጎብአት ፈረንሳ፣ ሰላም ከምዝናፈቀት ንምርኣይ ዘንቀደ’ዩ። ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝወከለት ‘ሰላም’ እትብል ቃል ብግእዝ’ውን ተወቒሩ ይርአ። ወዮ ደኣ ሰላም ብምንዮት ኣይትመጽእን’ያ እምበር፣ ሰላም ይግበረልና! ኣውራ’ኳ ንህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን።

     ኣብ 2007 ስልማት ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ዝተዓወተ ኤርትራዊ፣ ስእሉ ምስ ሓያሎ ናይ ዓለም ስሙያት ጋዜጠኛታት ኣብ ፓሪስ ተንጠልጢሉ ከምዘሎ ኸ’ባ ትፈልጡ ዶ?

      ኣብ ዓውዲ ጋዜጠኝነት እትግደሱ ‘ኳ  ኣይትስሕትዎን ኢኹም። ተጋዳላይ ሰኣላይ ስዮም ጸሃየ’ዩ። 

     ኣብ ሕምብርቲ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ፣ ኣብ 1985 ዓመተ ምህረት ካብ ዝምስረት ስልማት ዝዓደሎም ጋዜጠኛታት ዓለምና፣ ኣሳእሎም ኣብ መናድቑ ኣንጠልጢልዎ ኣሎ። ሓደ ካብኣቶም ጋዜጠኛ ስዮም ጸሃየ ምዃኑ፣ ኣብ ፈረንሳ ካብ ዝተሰነደ ታሪኽ ኤርትራ’ዩ። 

     ኣእላፍ ታሪኽ ዝሓቖፈ ወዶም ንሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን  ኣብ ፓሪስ ዝነብር ምዃኑ ኸ? ተወሳኺ ሰነድ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ክንብሎ ንኽእል ዶ? 

     ኣብ ፈረንሳ ዝዓበየ ታሪኽ ሰሪሑ ዝበሃለሉ ኤርትራዊ፣ ተቐዳዳማይ ብሽከለታ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት’ዩ። ኣብ ሻድሻይ መድረኽ ቅድድም ዙር ፈረንሳ 2015፣ ታሪኽ ካብ ዝሰርሓላ ወደባዊት ከተማ ለ-ኣርቭ 30 ኪሎሜተር ዘይትርሕቕ ንእሽቶ ከተማ ካ፣ ንዳኒኤልን ኤርትራውያን ኣፍቀርቲ ስፖርትን ዘገድስ ካልእ ዓቢ ሰነድ ከኣ’ባ ኣሎ።

 

++++++++++++++++++++ 

Paul 

     ዘርጣጥ ከብዱን ፍሩያት የዒንቱን ንዝርኣየ ሰብ ፍቕሪ ስፖርት ኣለዎ ኢሉ ክግምት ኣጸጋሚ’ዩ። ንሱ ግና ካብ ወዲ 12 ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ስፖርት ሕሉፍ ፍቕሪ ከምዝነበሮ’ዩ ዘውግዕ። ብፍላይ’ኳ ኣብ ኩዕሶ እግሪ።  ግጥማት ዋንጫ ዓለም ንምዕዛብ ኣብ ካዛ ዴሊ ኢታልያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ተገፊፉ ናብ ሳዋ ምውራዱ ፣ ንስለ ፍቕሪ ስፖርት ዝኽፈል ዋጋ’ዩ ዝብሎ። ዕሉል ደጋፊ ሊቨርፑል ድማ’ዩ ኔሩ። ጳውሎስ ኪዳነ።  

     ካብ ሳዋ ናብ ሚኒስትሪ ዜና ተመዲቡ ድሕሪ ምምጽኡ፣ ኣብ ክፍሊ ኣምሓርኛ’ዩ ተመዲቡ። ካብ ኣብ ፖለቲካን ፕሮፖጋንዳን ንላዕሊ ግና ስፖርት ስለዝዓብለሎ፣ ስፖርት ንዘገድሰን ማዕከናት ዜና፣ ኣብ ዓምዲ ስፖርት ምንጣፉ ኣየቛረጸን። ብፍላይ’ኳ ከም ኣድማስ ኣብ ዝኣመሰላ ጋዜጣታት ናይ ብሕቲ።

     ሌላና ዝያዳ ዝዓሞቐ ምስ ምምስራት ሬድዮ ዛራ ነበረ። መንእሰያት ናብ ካልኦት ማዕከናት ዜና የቋምቱ ኣለዉ ስለዝተባህለ፣ ናብ ምዝንጋዕ ዘድሃበት ናይ ኤፍኤም ሬድዮ ክትምስረት ተወሰነ። ንሓያሎ ዓመታት ኣዳላዊ ስፖርት ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ነበር ሰለሙን ኣበራ ሓላፊኣ ተመደብ።

     ሬድዮ ዛራ፣ ዝበዝሐ ናይ ምዝንጋዕ ሸፈነ ክህልዋ’ዩ ተደልዩ። ካብ ናይ ድምጺ ሓፋሽ ዝተፈልየ መደባት ስፖርት ከተተኣታቱ’ውን ሓሳብ ነበረ። 

     ጳውሎስ፣ ዜና ስፖርት ብምክትታል ቅድሚት ይስራዕ ነበረ’ሞ፣ ሓጸርቲ ዜና ስፖርት ብወለንትኡ ናብ ኣንበብቲ ዜና ከምጽእ ጀመረ። 

     ዘርእሰናይ ታደሰ፣ ዓበይቲ ዓወታት ድሕሪ ምምዝጋቡ፣ ኣብ ሓደ ናይ ኤውሮጳ ዑደቱ ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜና ከሰንይዎ ኣድለየ። ሰለሙን ኣበራ ከኣ ቀዳማይ ኮይኑ ተሓርየ። 

     “ናብ ኤውሮጳ ይገይሽ ኣለኹ’ሞ እንታይ ክማልኣልኩም፣” ኣብ ናይ መወዳእታ ኣኼባና ዘምጽኣ ሓበሬታ ነበረት።

     ኣባላት ሬድዮ ዛራ ሰለሙን ኣበራ፣ ጴጥሮስ መንግስ፣ ኣኽበረት ግርማይን ሄለን መብራህቱን  ዝነበርናያ ኣኼባ፣ ካብ ቤት ጽሕፈት ናብ እንዳሻሂ’ያ ግዒዛ። ንሰሌ መፋነዊ ንዓና ድማ ናይ ሻሂ ዕረፍቲ። እንዳሻሂ ሚኒስትሪ ዜና ነታ ብብዝሒ ኣባላት ዘዕለቕለቐት ሚኒስትሪ ከም ኣውራ ቤት ጽሕፈቶም ዝጥቐሙላ ብዙሓት’ዮም። 

     “ናይ ስዊዘርላንድ ቸኮላታ ጥዑም’ዩ ዝብሃል’ሞ፣ እንተኽኢልካ ‘ባ ተማላእ፣” ናይ መወዳእታ ለበዋይ ነበረት።

     “ቅሰን ቅሰን ንሱ ሲ ሓሲበዮ ኣለኹ፣” 

     ንሰሌ ውሽጡ ዝፈርሕዎ ብዙሃት እኳ እንተነበሩ፣ ሕማቕ ክዛረብ ሰሚዐ’ዮ ኣይፈልጥን። ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ሰለሙን ኣበራ ሃዲሙ ዝብል ወረ ንእንዳዜና ኣናወጸ። 

     ህድማ  ጋዜጠኛታት ልሙድ ተርእዮ እኳ እንተነበረ፣ ሰለሙን ክሃድም ዘይተጸበይዎ ግዲ ኮይኖም ብዙሕን ሒደትን ኣዛረበ። ብዝኾነ ሰሌ ኣይተመልሰን። ቸኮላታይ’ውን ኣይመጸትን። ዘይምምላሱ ዘሕሰበኒ እንተኔሩ፣ ብእስጢፋኖስ ገብረሚካኤል ዝተደርሰት  ዛንታ ሮዛን ሰሌን ኣብ ሬድዮ ዛራ ንሓያሎ ክፋላት ተሪኹዋ ነበረ’ሞ ክትቋረጽ ምዃና’ዩ። ሰሌ ንፉዕ ኣንባባይ’ዩ ዝነበረ። ኣውራ’ኳ ኣብ ትረኻ ልቢ ወለድን ስፖርትን።

     ትረኻ ልቢ ወለድ ሮዛን ሰሌን፣ ብጋዜጠኛ ሳሙኤል ገብረኣዶናይ ክትቕጽል ምዃና ተነግረ። ሳሙኤል ገብረኣዶናይ ሰናፍ ጋዜጠኛን ተራኻይን ኣይነበረን። ብድምጺ ሰሌ ዝተለምደት ትረኻ ናብ ካልእ ድምጺ ክትሰግር ግና ጣዕማ ጎዲሉ። 

     ሰለሙን ንግሆ ተረኛ ኣንባቢ ዜና ኣብ ዝኾነሉ ተኸዲንዎ ነንዝመጸ ጃኬታት ኣብ መንበሩ ምድርዳር ልምዲ ነበሮ። ሓድሽ ስቱድዮ ኣብ ዝተሃንጸሉ ኣዳራሽ፣ ኣብ ዝተዋህበና ቤት ጽሕፈት ዝበዝሐ ትሕዝቶ ጠሬጴዛን ዝተደርደረ ክዳውንቲ ሰሌን ነበረ። 

 

++++++++++++++++++++++   

Endazena 

     ጴጥሮስ መንግስ ንሬድዮ ዛራ ብግዝያውነት ከመሓድር ተመዚዙ። ሬድዮ ዛራ፣ ብዘይተጋደልቲ ዝተመርሐት ናይ መጀመርያ ጨንፈር ክፍሊ ሬድዮ ኮነት። ሓድሽ ናይ ስራሕ መንፈስ ዓሲሉዋ ንጳውሎስ ኪዳነ ሰፊሕ መደባት ስፖርት ከዳሉ ዕማም ሃበቶ። ወለንታዊ ዕማም’ዩ።

     ጳውሎስ ዘዳለዎ ሰፊሕ መደባት ስፖርት ተኣሪሙ፣ ተጻፊፉ፣ ክቀርብ ጀመረ። ሰማዕቲ ሓዳስ ናይ  መደብ ‘ዛራ ስፖርት’ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ሰሰኑ። ኤሪቴልን ካልኦት ትካላትን ብቴሌፎን ንዝግበር ሕቶን መልስን፣ ሓፍሻዊ ፍልጠትን ክምውላን ሽልማት ክህባን ተጓየያ።

     ሬድዮ ዛራ፣ ናይ ስፖርት መደባት ኣስፈሐት።  ‘ግዜ ዘየህስሶም ከዋኽብቲ’ ብዝብል ኣርእስቲ ተወሳኺ መደብ ስፖርት ኣተኣታተወት።  ኣዳላዊ ናይዛ ንታሪኽ ህይወት ስፖርተኛታት እትፍትሽ መደብ ኣሎኒኣብ ካሌብ፣ ኣብ ምድላው ዜና ወጻኢ ዝተመደበ’ዩ። ዝበዝሐ ግዜኡ፣ ነዛ ብወለንትኡ ዘዳልዋ ናይ ስፖርት መደብ’ዩ ክስውእ መሪጹ። ብፍላይ’ኳ ድሕሪ’ቲ ስግረ ዶብ ሓሲብካ ተባሂሉ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝተኣስረሉ እዋናት፣ ስፖርት ናይ ቀረባ መሓዝኡ ኮነ። 

     ኣሎኒኣብ ዕሉል ደጋፊ ኣርሰናል’ዩ። ምስ ፈረንሳዊ ኣጥቓዓይ እታ ጋንታ ቴሪ ኦንሪ ዝነበሮ ፍቕሪ ምስ ኣፍቃሪቱ ሓደ ክልተ ግዜ ኣጓራፊጥዎ’ዩ።  ኣብ ፖርትፎልዮኡ ኣብ ክንዲ ስእሊ ኣፍቃሪቱ ስእሊ ቴሪ ኦንሪ ምንጥልጣሉ’ሞ ከመይ ኣቢላ ክትሕጎሰሉ።

     ስግረዶብ ዝሓሰበን ዝሓልመን ማዕረቶም ዝፈተኑ ብሓባር ዝእሰርሉ ዝነበረ ግዜ’ዩ። ሕልሚ ክትቖጻጸሩ ዝከኣል ኣይኮነን። ወዝቢ ስግረ ዶብ ዝሓለመ ወይልኡ!! እቲ ዝገርም፣ መንግስቲ ዜጋታቱ እንታይ ይሓልሙ ምህላዎም ዝፈልጥ ምዕባለ ምውናኑ’ዩ። ሕልሚ መላእ ሃገር ስግረ ዶብ ኮይኑ ከይጸንሖ ግና እፈርህ ኣለኹ።

     ስግረ ዶብ ሓሊምካ ተባሂሉ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝተኣስረ ኣሎኒ፣ ኣብ መወዳእታ ሕልሙ ተጋሂዱ። 

     “ኣብ ኤርትራ ጋዜጠኛ ካብ ምዃን ኣብ ኣመሪካ ለማናይ ምዃን ይሓይሽ፣” ኣብ ክለብ ሚኒስትሪ ዜና ቸዝ እናኽንጻወት ካብ ዘዘውትሮ ናይ ወትሩ ጭርቃናት’ዩ። ውልቃዊ ሓርነት ንምውናን ካብ ዘለዎ ባህጊ ንምግላጽ’ዩ። ኣመሪካ ዝልዓለ ሓርነት ውልቀሰብ ኣለዋ ኢሉ’ዩ ዝኣምን ኣሎኒ።  ኣመሪካ ድሕሪ ምእታዉ፣ ትጽቢትን ክውንነትን ክውንነቱን ከመይ ተራኺበን ኣየውጋዕናን።

     ስፖርት ዘገድሶም መንእሰያት ኣብ ዙርያ ዛራ ስፖርት  ዓሰሉ። ጳውሎስ ኪዳነ፣ ልዕሊ’ቲ ኣብ ፊልምታትን መደባት ኣምሓርኛ ምቕራቡን ብዛራ ስፖርት ስሙ ገነነ። ብወገን ድምጺ ሓፋሽ ድማ ተስፋልደት መብራህቱን ክብርኣብ ተስፋሚካኤልን ኣብ ስፖርት ርሱን ስምዒታት ፈጠሩ። 

     ኣብ ከምዚ እዋን፣ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ናብ ኣልጀርያ ክትገይሽ’ያ ተባህለ። ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜና ከሰንዩዋ ምዃኖም ከኣ ተሓበረ። ዓቢ ስኽፍታ ከምዘሎ ተዘከረ። 

     ኣቐዲሞም ዝሃደሙ ጋዜጠኛታት ስፖርት ብርሃነ ተወልደ፣ ሰለሙን ኣበራን የማነ ካሳን ውሕስነት ከምዘየለ ኣብነት ቀረቡ። ካብ ሻቕሎት ናጻ ንምዃን ኢድሪሳይ ዝተባህለ ገዲም ተጋዳላይን ጋዜጠኛ ሬድዮ ትግረን ምስ ሃገራዊት ጋንታ ክልኣኽ ተወሰነ። “ኢድሪሳይ ኣይሃድም’ዩ” ዝመሓልሉ ምንባሮም እዝክር። ኣባል ዜና ናብ ወጻኢ ክልኣኽ እንከሎ ይሃድም ዶ ኣይሃድምን ስኮሜሳ ነትሕዘሉ ዝነበርና እዋናት’ውን ኔሩ። ብፍላይ’ኳ የማነ ካሳ ዝሃደመሉ እዋን እቲ ዝበዝሐ ስኮሜሳ ዝተገብረሉ ተባሂሉ ክብረ ወሰን ተመዝጊብሉ’ዩ።

     ኢድሪሳይ ኣብ ስፖርት ዝፈልጦ የብለይን፣ ኣይገይሽን ሓንገደ። ብሓውሲ ወትሃደራዊ ትእዛዝ ኣብ ኣልጀርያ ተዛዊሩ ተመልሰ። ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ኣልጀርያ ዘመዝገበቶ ዓወታት እኹል ሸፈነ ኣይተዋህቦን ተባሂሉ ንኣዳላዊ መደብ ስፖርት ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ተስፋልደት መብራህቱ (ቶፖ) መጠንቐቕታ ተዋህበ። ምስ ሃገራዊት ጋንታ ዝገሸ ኢድሪሳይ፣ መጠንቐቕታ ዝተዋህበ ከኣ ተስፋልደት መብራህቱ ኮነ። ካብ ፍሉይ ፍጻሜታት እናዳዜና’ዩ። ተስፋልደት፣ ሕልሚ መላእ ሃገር ሓሊምካ ተጠርጢሩ ተኣሲሩ ምንባሩ ድሕሪ ስደተይ ሰሚዐ ኔረ። 

 

++++++++++++++++  

Rep

     ዋንጫ ዓለም 2006 ዝተኻየደሉ እዋን’ዩ። ምጥፋእ መብራህቲ ንኣፍቀርቲ ስፖርት እቲ ዝዓበየ መኻልፍ ነበረ። ዝበዝሐ መንእሰይ ብጀኔሬተራት ኣገልግሎት ናብ ዝሃባ ክለባትን ኣብያተ ሻህን ክጋየ ይርአ። ኤም.ፒ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ተሓቦኦም ንዝወርሑ ምልቓም ተተሓሓዝዎ። 

     ጳውሎስ ኪዳነ፣ ካብ ናይ መብራህቲ መኻልፍ ናጻ ንምዃን ኣብ ሚኒስትሪ ዜና፣ መናብር ኣላጊቡ ዝሓደረሉ ግዜ እቲ ዝበዝሐ’ዩ። ወሳኒ ግጥማት ዓዲ እንግሊዝ ወይ ኤውሮጳ ኣብ ዝህልወሉ ዝተለማመዶ’ዩ።    ነዊሕ ዓመታት ብዘዋህለሎ ፍልጠት ካብ ተንተንቲ ስፖርት ዋንጫ ዓለም ኮይኑ ኣብ ኤሪ ቲቪ ይቀርብ ምንባሩ ትዝክሩ ኣይትሰኣኑን።

     ዝተጋነነ ፍቕሪ ስፖርት የብለይን። ጳውሎስ ዘዳለዎ ዛራ ስፖርት ንምንባብ ዘጥፍኦ ዝነበርኩ ግዜ፣ ናብ ስፖርት እናስሓበኒ መጺኡ። ዝመሰጡኒ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ እናኸልዕለሉ፣-

     “ፋታ ናይ እንዳ ዜና መዓስ ተመሲሖም፣” መውጽኢ ኣፉ ነበረተ።

     ባኒ ዝርኣየ ዓይኑ ይብራህ ዝበሃለሉ ዝነበረ ግዜ ምስ ምዃኑ፣ ቤት ሻሂ ሚኒስትሪ ዜና ካብ ባዶ ትሽዓተ ናይ ህግደፍ ንግዳዊ ትካል ፊኖ ክሽምት ሓለፋ ተዋህቦ። ብቕጫ ፊኖ ዝተባዕጠት ፋታ ተለሚዱ’ዩ ዝነበረ። ንኣባላት ዜና ከከም ውዕልኦም ናይ 70፣ 50ን 25 ናቕፋ ወርሓዊ ኩፖን ይዕደል’ዩ። እኹል ምስ ዘይምዃኑ፣ ብልቓሕ ፋታን ሽጋራን ክብረ ወሰን ዝሰብሩ እናብዝሑ መጹ። ወናኒ ቤት ሻሂ፣ ወርሒ ኣኸለ ደሞዝ ኣብ ዝዕደለሉ ክፍሊ፣ ኣብ ኣፍደገ እናተጸበየ ሰራሕተኛታት ክሓንቕ ከም ንቡር ተወሲዱ። 

     “ቤት ሻሂን ክፍሊ ዕድግን ተመሻጢሮም፣ ብልሽውና ይፍጽሙ ኣለዉ፣” ኣጉሮምሮሙ ኣባላት ዜና ። 

     ፋታ ኣብ ሓደጋ ኣተወት። እንዳዜና ብወግዒ ተመዲበ ካብ ዝኣተኹላ ክሳብታ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ዝተፋነኹላ ዕለት ብፋታ እንዳዜና ዘመስገነ ኣባል ኣይተሰምዐን። 

     ጳውሎስ፣ ብወለትንኡ ንዘዳልዎ ዛራ ስፖርት፣ ኣብ ናይ ምሳሕ ሰዓታት’ዩ ዘጻፍፎ። ብሰሩ’ውን ምስ ፋታ እንዳዜና ብቀረባ ካብ ዝፋለጡ ኣባላት ጌርዎ ነበረ። ስለዚ ድማ’ዩ ብኽእለት ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ክምሰጥ እናኽርእየኒ “ፋታ እንዳዜና መዓስ ተመሲሖም፣” ዘዘውትር ዝነበረ።

     ሰሌዳ መለጠፊ ሓበሬታ እንዳዜና ጥዑም ወረ ካብ ዘይልጠፎ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። ብፍላይ ኣብ ዓመተ 2007 ተደጋጋሚ ሕማቕ ወረ ሒዙ ኣናቐረበ፣ ኣባላት ነዛ ክርእይዎ ጸሊእናዮ ኢና። እንተ ዝልዓል ዝተመነና’ውን ኔርና። 

     ጳውሎስ ኪዳነ ዶብ ክሰግር ሞይቱ ዝብል ወረ ኣቐዲሙ’ዩ ተናፊሱ። ነንዝወጸ ኣባል ዜና ከምኡ ዝበለ ወረ ምንፋስ ዝውቱር’ዩ ዝነበረ’ሞ ብቀሊሉ ኣይተኣምነን። 

     ጥዑም ወረ ከይርኣኹላ ዝተፋነኹዋ ሰሌዳ፣ ጳውሎስ ኪዳነ፣ ብሃንደበት ዓሪፉ ክትብል ብፍሩይ ቃላት፣ መርድእ ለጢፋ ጸንሐት። 

 

+++++++++++++++++++++ 

Paul 

     ነሓሰ 2011’ዩ። ፔዦ ብዝዓይነታ ዘመናዊት መኪና ካብ ፓሪስ ናብ ካልቫዶስ፣ ኦማሃ ቢች – ገማግም ባሕሪ ዩታ ነምርሕ ኣሎና። 

     ንሓያሎ ዓመታት፣ ካብ ኣኽርያ ናብ ፎርቶ- ካብ ፎርቶ ናብ ኣኽርያ ከተዕነኒ ዝቓዘነት ነፍሰይ ገለ ዕረፍቲ እንተረኸበት ምስ ፈተውተይ ዝተሰርዐ ዑደት’ዩ። 

     ኦማሃ ቢች ካልኣይ ኵናት ዓለም ንምዝዛም፣ ሰራዊት ኣመሪካ ብነፈርትን መራኽብን ንመጀመርያ እዋኑ ዝዓለብሉ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ’ዩ። ብዘይካ’ቲ ታሪኻዊ ምዃኑ ንበጻሕቲ ዝምስጥ ተርእዮታት መሊእዎ’ዩ። ካብ ጫፍ ሰሜናዊ ምዕራብ  ክሳብ ምሉእ ምዕራብ ኣብ ዘሎ ገማግም ባሕሪ ክንሸራሸሮ ኢና ተበጊስና። መበገሲ ጉዕዞና ወደባዊት ከተማ  ለ’ኣርቭ ተመርጸት። ናብዛ ወደብ ንምብጻሕ ካን ባዩን ብዝተባህላ ንእሽቶ ከተማ ክንሓልፍ ግዲ ኮነ። ምስ ዝነበረ ሙቐት ኣብዛ ከተማ እንተዕረፍና’ውን ኣይጸላእናዮን። ኣብ ባዩ፣ ንእግረ መንገድና ኣብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ቤተ መዘከር ካልኣይ ኵናት ዓለም ዑደት ኣካይድና። ኣብ እግሪ’ቲ ቤት መዘከር፣ ልሙዕ ጎልጎል ይርአ። ንምርኣዩ መሳጢ። ከተሳፍሓሉ’ውን ኣዝዩ ምቹእ። ኣብ ማእከሉ ተተኺሉ ደው ዝበለ ናይ ማርሞ መናድቕ ኣለዎ። እናቀረብናዮ ብዝኸድና፣ ‘ንዝኽሪ ጋዜጠኛታት’ ብዓቢ ይንበብ። ኣዚና ብዝቀረበና ኣስማት ጋዜጠኛታትን ዝሞትሉ ዓመተ ምህረትን ተወቒሩ ይርአ። 

     ህንጡይነተይ እናዓረገ ከደ። 2007 ዓመተ ምህረት ናብ ዝተጻሕፋ ናይ ማርሞ መንደቕ ተጸጋዕኩ።  ብቛንቋ እንግሊዝ ዝተጻሕፈ ኣስማት ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ከንብብ ጀመርኩ። ስማት ብፊደል ዝተሰርዐ ኣይኮነን። ካብ ፍርቂ ናብ ዘሎ እናነጠርኩ ብላቲን ፊደል ‘ፒ’ ዝጅምር ስማት በጻብዐ እናተሓገዝኩ ደለኹ። ሓንቲ ካብኣተን ትጽቢተይ ትመልእ ነበረት። ‘ጳውሊስ ኪዳነ’ ዝብል ይንበብ። 

     ክሳብ ወደብ ለ’ኣርቭ ዝቀጸለ ጉዕዞና፣ ጳውሎስ ኪዳነ ማእከል ዕላልና ኮነ። ኤርትራ ሓዳስ ኣይኮነትን ንመጓዕዝተ። እናሓንሳእ ጽቡቓን ሕማቓን ብምድግጋም ኣሰልክየዮም ከይከውን’ውን እሰግእ። 

++++++++++++++++++++

 

     ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ማልያ ዓቐብ ኣብ ከተማ ለ’ኣርቭ ምዕዋቱ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ደጋገምኦ።  ዓወት ዳኒኤል ንጳውሎስ ክፈጥረሉ ንዝኽእል ሓበን ተራእየኒ። ዳኒኤል’ውን፣ ኣብ ስፖርት ልዑል ፍቕሪ ንዝነበሮ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ጳውሎስ ኪዳነ ካብ ከተማታት ኤርትራ ክሳብ ከተማ ለ’ኣርቭ ብመንፈስ እናተሰራሰረ ይድግፎ ምህላዉ እንተዝፈልጥ ተመነኹ።  ዳኒኤልን ጳውሎስን ብዙሕ ካብ ዘይርሓሓቃ ከተማታት ኣብ ዞባ ካልቫዶስ ናይ ፈረንሳ፣ ስማቶም ኣብ ሓወልቲ ክወቕሩ ምኽኣሎም ምሉእ ዕጋበት ፈጠረለይ። ኤርትራን ፈረንሳን ….ኢለ ዝጀመርክዎ ኣርእስቲ’ውን ክቕጽሎ ኣይደለኹን። ቀጽልዎ ሓደራኹም…….

ዕባይ ኣኽርያ

ካብ ፓሪስ

10 ነሓሰ 2015

 

+++++++++++++++++++++++

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0