ኤርትራ ተሳታፊት ኣባል ባንክ ሰደድን እታውን ኣፍሪቃ ኮይና

ኤርትራ ተሳታፊት ኣባል ባንክ ሰደድን እታውን ኣፍሪቃ ኮይና

Radio Erena: 23 November 2017

Bank Africa

ኤርትራ፣ መበል 48 ተሳታፊት ኣባል ባንክ ሰደድን እታውን ኣፍሪቃ ኮይና።

እቲ ኣብ ግብጺ፣ ከተማ ካይሮ ዝመደበሩ ባንክ ብ21 ሕዳር ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኤርትራ ተሳታፊት ኣባል ንኽትከውን ሚኒስተር ፋይንናስ ኣቶ ብርሃነ ሃብተማርያም ነቲ ስምምዕ ከምዝኸተመሉ ኣፍሊጣ።

ኤርትራ ኣባል እዚ ባንክ ክትከውን ዝወሰነት፣ ፕረዚደንት ናይቲ ባንክ ዶክተር በነዲክት ኦራማህ ኣብዚ ቀረባ ናብ ኣስመራ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ምዝርራቡ’ዩ።

ኤርትራ ኣባል እዚ ባንክ ምዃና፣ ኣብ ንግዲ፣ ቴክኖሎጂ፣ ልምዓት፣ ምህናጽ ኢንዱስትራዊ ዞባን ካልእ በቲ ባንክ ዝምእከል ፕሮጀክታትን ተጠቃሚት ከምእትኸውን’ውን ተሓቢሩ።

ኣብ 1993 ዝተመስረተ ባንክ ሰደድን እታውን ኣፍሪቃ (African Export-Import Bank፣ Afreximbank) 48 ሃገራት ኣፍሪቃ ብኣባልነት ዝሓቖፈ ኮይኑ፣ ሃገራውያን ባንክታት፣ ፊናንስያውያን ትካላት ኣፍሪቃን ዓለምን በብደረጅኡ ብብርኪ ዝውንንኦ’ዩ።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0