ኤርትራ ቀዪዳቶም ዝጸንሐት ኣርባዕተ ገፈፍቲ ዓሳ ናጻ ወጺኦም

ኤርትራ ቀዪዳቶም ዝጸንሐት ኣርባዕተ ገፈፍቲ ዓሳ ናጻ ወጺኦም

ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሑ ኣርባዕተ ገፈፍቲ ዓሳ ናጻ ወጺኦም።
ካብ የመን ዝተፈነወ ዜና ከምዘረጋገጾ፣ እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ክሊ ማያት ኤርትራ ብምእታው ዓሳ ክገፉ ከምዝተታሓዙ እዩ ዘመልክት።

ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሑ እቶም ኣርባዕተ የመናውያን፣ ናጻ ኣብ ዝወጹሉ ናብ መበቆል ዓዶም ዞባ ጣይዝ ከምዝተወስዱ ተገሊጹ።

ኣብ ክሊ ማያት ኤርትራ ዝተታሓዙ ሓያሎ የመናውያንን ግብጻውያንን ገፈፍቲ ዓሳ ገና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ መንግስቲ ኤርትራ ከምዘለዉ፣ ተጣበቕቲ መሰላት ይገልጹ።
መንግስቲ ኤርትራ ነዞም በብእዋኑ ኣብ ቀይዲ ዘእትዎም ዜጋታት የመንን ግብጽን ንምትሓዞም ኮነ ናጻ ምስዳዶም ብዝምልከት ዝኾነ መግለጺ ከምዘይህብ ብተደጋጋሚ እዩ ዝግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0