ኤርትራ ምድላዋት ክትገብረሉ ዝጸንሐት ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ተሰጋጊሩ

Radio Erena: 17 March 2020

መበል 16 ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ብሰሪ ስግኣት ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ ናብ ካልእ እዋን ተሰጋጊሩ።

እዚ ካብ 23 ክሳብ 29 መጋቢት ኣብ ሞውሪሽየስ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ውድድር፡ ናብ ወርሒ ሰነ ከም እተመሓላለፈ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ሞውሪሸስ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ዝካየደሉ መዓልቲ ኣየነጸረን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንሻምፕዮን ኣፍሪቃ ብዓወታታ ክትዕብልሎ ዝጸንሐት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኣብዚ ቅድድም ዝሳተፉ 20 ደቒ ተባዕትዮን ደቒ ኣንስትዮን ልምምድ ከተካይደሎም’ያ ጸኒሓ።

ሰፊሕ  ትሕዝቶ መደብ ስፖርት፣ ኣብዚ ተኸታተሉ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0