ኤርትራ፣ ግፋን ማእሰርቲ ወለድን ብዝልዓለ ይቕጽል

Radio Erena: 21 October 2022

ኣብ ኤርትራ፣ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ግፋን ማእሰርቲ ደቆም ከረክቡ ዘይክኣሉ ወለዲን ብዝልዓለ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ።

ብጻውዒት ክተት፣ ጥቆማ፣ ምጽራይ ኩፖንን ግፋን፣ ከተማታትን ዓድታትን ብጽምዋ ይወሓጣ ኣለዋ ዝበሉ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት፣ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ’ቲ ደቑ ዝጠፍእሉ ዘለዉ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝምልከት ንህዝቢ ሓበሬታ ዘይምሃቡ’ውን ካልእ ዘቖጥዕ ኣርእሲ ኮይኑ ምህላዉ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ መንግስቲ ኤርትራ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ፣ ኣቦታት ምስ 3 ደቆም ከይተረፈ ኣኽቲቱ ምህላዉ ብኣብነት ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ ብሻቕሎትን ፍርሒን ዝተዋሕጣ ኣዴታት፣ ወጋሕታ ናብ ኣብያተ ክርስትያን እናተመሳለሳ ብእኩብ ይጽልያ ምህላወን ኣገንዚቦም።

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ዝቕጽል ዘሎ ጽዑቕ ግፋን ናይ ክተት ጻውዒትን፣ ንሓያሎ ስድራቤታት ብዘይኣለይቲ ኣትሪፉ፣ ካብ ዝነበርኦ ናብ ዝበኣሰ ከቢድ ናይ መነባብሮ ጸገም ኣውዲቑወን ምህላዉ ይፍለጥ።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0