ኤርትራ፣ “ጉዳይ ጤሳን ምህናጽ ኣባይቲን ፖለቲካዊ መጣልዒ ይኸውን ኣሎ”

Radio Erena: 07 January 2020

ኣብ ኤርትራ፣ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ፣ ንኣስታት 15 ዓመታት ደው ኢሉ ዝጸንሐ ምህናጽ ኣባይቲ ብጤሳ ኣብ ዝተዓደለ መሬት ክጅምር ምዃኑ መንግስቲ ጎስጓስ የካይድ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ ነዚ ዝገለጸ፣ ብመንገዲ ኣምሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜ/ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ ኣቢሉ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ናይቲ ዞባ’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብ ሰረጀቓ ጤሳ ክዕደሎም ንነዊሕ ዓመታት ክሓቱ ዝጸንሑ ይኹኑ ኣቐዲሞም ዝተዓደሎም ነበርቲ ሓያሎ ዓድታት እቲ ንኡስ ዞባ፣ ኣብዚ ብመንግስቲ ዝቐረብ ዘሎ ጎስጓስ እምነት ከምዘይብሎም ብዓወታ ይገልጹ ከምዘለዉ ምንጭታት ኤረና ኣረጋጊጺም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ኣተዓዳድላ መሬት ጤሳ ክትግበር ዝጸንሐ ኣሰራርሓ ብልሽውና ዝዓብለሎ ምንባሩ፣ ነበርቲ እቲ ንኡስ ዞባ ብምረት ክገልጹ ጸኒሒም’ዮም።።

ካብ ኣስመራ ኣስታት 21 ኪሎሜተር ንሰሜናዊ ምዕራብ ርሒቑ ዝርከብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ሓያሎ ንኣሽቱ ዓድታት ዝሓቖፈ ኮይኑ፣ ንንግዲ፣ ንመንበሪ ኣባይትን ካልእን ብዘይተፈልጠ ምኽንያታት ነበርቲ እቲ ከባቢ ንዘይኮኑ ሰባት መሬት ክዕደል ጸኒሑ ዝብል ምዕዝምዛማት ብቀጻሊ’ዩ ዝስማዕ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ነበርቲ እቲ ንኡስ ዞባ ንዝኾኑ፣ ናይ ጤሳ መሬት ዝግብኦም ኤርትራውያን ብፍላይ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ መሬት ክዕደሎም ንዘቕረብዎ ተደጋጋሚ ጻውዒት መንግስቲ ክነጽጎ’ዩ ጸኒሑ።

እቶም ኣቐዲሞም መሬት ዝተዓደሉ እሞ፣ መንበሪ ኣባይቲ ክሰርሑ ዓቕሚ ዝሰኣኑ ኸኣ፣ “ዳግማይ ኣብ ዝዕደል ጤሳ ክትወሃቡ ኢኹም” ብምባል፣ መንግስቲ ነቲ መሬት ደጊሙ ከምዝወሰዶ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣመልኪቶም።

ምዕዳል ጤሳን ምህናጽ ኣባይትን ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ፣ ሓደ ካብቲ ምስ መንግስቲ ዘተፋንን ጉዳይ ኮይኑ ከምዝጸንሐ ዝጠቐሱ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ኤረና፣ ነዚ ምትፍናን እዚ ንምህዳእ ብዕጫ ዝዕደል ናይ ጤሳ መሬት ተዳልዩ ምህላዉን ነቶም ኣቐዲሞም ዝተዓደሉ ድማ ኣባይቲ ክሰርሑ ክፍቐደሎምን ምዃኑ መንግስቲ ይጉስጉስ ኣሎ።

ብሰንኪ’ቲ ነበርቲ ከቕርብዎ ዝጸንሑ ተደጋጋሚ ጥርዓናትን መረረን ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ምዕዳል ጤሳ ደው ኢሉ ከምዝጸንሐ ብሬድዮ ኤረና ምቅልሑ ይዝከር።

ይኹን’ምበር ሕጂ’ውን ንህዝቢ ግሉጽ ብዘይኮነ ምኽንያት፣ ሰፊሕ ክፋል መሬት ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ብመንግስቲ ተሓዚኡ ንጤሳ ከምዘይዕደል ተረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ‘መሬት ናይ መንግስቲ’ዩ’ ዝብል ፖሊሲ እኳ እንተሎ፣ ካብ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ወጻኢ ብዝኾነ መንገዲ ንብልሽውናን ስርቅን ኣፍደገ ዝኸፈተ ኣተዓዳድላ መሬት ክርአ ምጽንሑ መንግስቲ ባዕሉ ብተደጋጋሚ እዋን ክእመነሉ ዝጸንሐ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ዝበዝሑ እቶም ጤሳ ዝተዓደሎም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኾኑ መንእሰያት፣ ኣባይቲ ንምህናጽ ዓቕሚ ከምዝይብሉ መንግስቲ ኣዳዕዲዑ እናፈለጠ፣ ዝተዓደለኩም ጤሳ ኣብ ዝተወሰነ እዋን ክትሰርሕዎ እንተዘይክኢልኩም ናብ መንግስቲ ክምለስ’ዩ ዝብል ምፍርራሕ ክገብር ምጽንሑ ይጥቀስ።

እዚ ዝደፋፍኦ ድማ፣ ብዙሓት ሰብ ጤሳ፣ መሬቶም ብፈረቓ እናሸጡ፣ መንበሪ ኣባይቲ ክሃንጹ እኳ እንተተራእዩ፣ ነዚ’ውን መንግስቲ ሕጋዊ ኣይኮነን ብምባል ደው ኣቢልዎ’ዩ።

ካብዚ ዝበኣሰ ድማ፣ እቲ መንግስቲ ነቲ መሰል ተወላዶ ዓድታት ዝኾነ ጤሳ፣ ብፖለቲካ ንዝድግፍዎን ኣባላት ህግደፍ ንዝኾኑን ጥራይ ዝዕድለሉ ሜላታት ብምትእትታው፣ ኣብ ስደት ንዝርከቡ ነቲ ስርዓት ዘይድግፉ ኤርትራውያን ካብዚ መሰል እዚ ሓሪምዎም ይርከብ።

ኣቐዲሞም ጤሳ ዝወሰዱ’ሞ፣ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ምልኪን ምረትን ንድሕሪት ሓዲጎም ናብ ካልኦት ሃገራት ንዝተሰዱ’ውን፣ 2% እንተዘይከፍሎምን ንስርዓት ህግደፍ ምእዙዛት እንተዘይኮይኖምን፣ ብመሰል ትውልዲ ዓዲ ንዝተዓደሎም ጤሳ ከሕድጎም ምዃኑ’ዩ ዘፈራርሕ።

ህግደፍ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ “ምህናጽ ኣባይቲ” ዘርእስቱ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓስ የካይድ ከምዘሎ ብሰፊሑ ይፍለጥ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0