ኤርትራ፣ ዳግም ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ምስታፋ ኣመሪካ ኮኒና

Radio Erena: 03 September 2022

ኤርትራ፣ ዳግማይ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ኣብ ዘሎ ኵናት ትሳተፍ ምህላዋ ኣመሪካ ኮኒና።

ኣመሪካ ብዘይካ’ዚ፣ ህወሓት ኣብ ካልእ ክልላት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ምኽፋቱን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ደብደብ ነፈርቲ ምክያዱን ብተመሳሳሊ ኮኒና።

ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ናብ ካልእ ክልላት ኢትዮጵያ ልሒሙ፣ ዞባዊ ነውጺ ከይፈጥር ተሰጊኡ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ምምሕዳር ባይደን፣ ንፍሉይ ወኪሉ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣምባሳደር ማይ ሃመር ናብ ኢትዮጵያ ልኢኽዎ ኣሎ።

እቲ ልኡኽ፣ ኵናት ብህጹጽ ደው ዝብለሉ ተኽእሎታትን ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ንምምይያጥ ብ2 መስከረም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዘምርሐ፣ ወሃቢት ቃል ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ፣ ካሪን ዦን ፒየር ኣረጋጊጻ።

ጉዳይ ካብ መነባብርኦም ዝተፈናቐሉን ምብጽጻሕ ተቛሪጹ ዘሎ ረዲኤትን’ውን ኣካል እቲ ዝርርብ ከምዝኸውን ተኣሚቱ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ዳግም ተወሊዑ ኣብ ዘሎ ኵናት፣ ተወሰኽቲ 10ታት ኣሽሓት ሰባት መነባብርኦም ራሕሪሖም ይሃድሙ ምህላዎም ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ትካላት ኣመልኪተን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0