ኤርትራ፣ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከም ሰለይቲ ወተሃደራት ከምዝረኣዩ፣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም

Radio Erena: 14 July 2020

የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ኤርትራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን፣ ከም ሰለይቲ ወተሃደራት ከምዝረኣዩ፣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።

እቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ዓዶም ዝተፋነዉ ገፈፍቲ ዓሳ ምስ ማዕከናት ዜና ሃገሮም ኣብ ዘካየዱዎ ቃለመጠይቕ፣ ሓለዋ ባሕሪ ኤርትራ ብሓይሊ ብረት ኮብኪቦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምድጓኖም፣ ከም ሰለይቲ ወተሃደራት መርመራ ከምዘካየዱሎም ገሊጾም።

መንግስቲ ኤርትራ ክሊ ማይ ጥሒሶም ምብባል፣ በብእዋኑ ዝሕዞም የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ንኣዋርሕ ድሕሪ ምድጓን፣ ንብረቶም ሃጊሩ ናብ ሃገሮም ከምሰዶም ክሕበር ጸኒሑ’ዩ።

ዶባት ክሊ ማያት ኤርትራን የመንን ብኣህጉራዊ ሕጊ ዝተዳነየ እኳ እንተኾነ፣ ገለ ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳ ንጹር ስእሊ ከምዘይብሎም እቶም ካልኦት ከኣ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ክሊ ማይ እንከለዉ፣ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከምዝተታሕዙ እዮም ዝኸሱ።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንገዛእ ዜጋታቱ እኳ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዓሳ ክገፉ ከልኪሉ ከምዘሎ ብኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ክሕበር ጸኒሑ ኣሎ።

ብፍላይ እቲ ዕለታዊ መነባብሮኡ ብምግፋፍ ዓሳ ዝነባበር ህዝቢ ኤርትራ፣ ብሰንኪ’ዚ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ህዝቡ ኣጽኒዑዎ ዘሎ ዘይተኣወጀ ሕጊ፣ ህዝቢ’ቲ ከባቢ ንጥሜት ተቓሊዑ ከምዘሎ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0