ኤርትራ፣ ዝተናውሐ ምዕጻው፣ ንወነንቲ ታክሲ ከቢድ ክሳራታት ከምዘስዓበሎም ይገልጹ

Radio Erena: 01 December 2020

ኣብ ኤርትራ፣ ለበዳ ኮረና ቫይርስ ንምግታእ ብዝብል ዝተኣወጀ ምዕጻው፣ ኣስታት ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ይርከብ።

እዚ ዝተናውሐ ምዕጻው፣ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ተወሳኺ ናይ መነባብሮ ጸገማት ፈጢሩ ከምዘሎ ተደጋጊሙ ዝተገልጸ’ዩ።

መንግስቲ ዝኣወጆ ምዕጻው፣ ብወግዒ እኳ እንተዘየልዓሎ፣ ህዝቢ በብዝጥዕሞ መንገዲ ናብርኡ ንምምራሕ ይጋደል ኣሎ።

እንተኾነ፣ ብመንግስቲ ዝውነን ህዝባዊ መጓዓዝያ ይኹን ናይ ብሕቲ መጓዓዝያታት ደው ምባሉ፣ ሓደ ካብቲ ንምረት ናብራ ህዝቢ ዘጋደደ ክስተት ምዃኑ ነበርቲ ከተማ ኣስመራ ይገልጹ’ዮም።

ሓያሎ ሰራሕተኛታት ናይ ዘይተዓጽዋ ትካላት፣ ንሰዓታት ብእግሮም እናተመላለሱ’ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ።

ወነንቲ ናይ ብሕቲ መጓዓዝያ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ መነባብርኦም ፈጢርሎም ዘሎ ጸገም፣ መካይኖም ከንቀሳቕሱ ብዘይምኽኣሎም፣ ድሕነት መካይኖም’ውን የሻቕሎም’ዮም።

በዚ ዝተናውሐ ምዕጻው፣ ብዝያዳ ዘመርሩ ዘለዉ ወነንቲ ታክሲን ኣብያተ መግብን መስተን’ዮም።

ኣብ ከተማ ኣስመራ፣ ዝርከቡ ወነንቲ ታኽሲ፣ ብመንገዲ ዝውክሎም ማሕበር ኣቡሎም ናብ ሚኒስትሪ መጓዓዝያ ጥርዓን ከምዘቕረቡ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

እንተኾነ፣ ካብ ላዕላዋይ ኣካል መምርሒ ክሳብ ዝመጽእ እቲ ምዕጻው ከምዘለዎ ከምዝቅጽልን ዝኾነ ፍታሕ ከምዘይግበረሎምን’ዩ ተነጊርዎም።

ብፍላይ ገሊኣቶም፣ ብልቓሕን ክራይን ዝወነንወን ታክሲ፣ ንኣስታት 8 ኣዋርሕ ክሰርሓ ብዘይምኽኣለን ኣብ ከቢድ ዕዳ ይሽመሙ ምህላዎም’ዮም ዘማርሩ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0