ኤርትራ፣ ዘይሕጋዊን ካብ ቁጽጽር ወጻኢን ምግፋፍ ዓሳ ኣብ ዝገትእ ኣህጉራዊ ውዕል ተጸንቢራ

Radio Erena: 15 November 2022

ኤርትራ እትርከበን ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ዘይሕጋዊን ካብ ቁጽጽር ወጻኢን ዝኾነ ምግፋፍ ዓሳ ኣብ ዝገትእ ኣህጉራዊ ውዕል ተጸንቢረን።

እቲ ካብ ሰነ 2016 ኣትሒዙ ግብራዊ ዝኾነ፣ ብAgreement on Port State Measures (PSMA) ዝፍለጥ ኣህጉራዊ ውዕል፣ ዛጊት 100 ሃገራት ክታመን ኣንቢረናሉ ኣለዋ።

ኤርትራ፣ ኣንጎላ፣ ናይጀርያን ሞሮኮን ድማ፣ ነቲ ውዕል ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተጸንበርኦ ውድብ መግብን ሕርሻን – (FAO) ኣረጋጊጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ዓመታዊ ካብ 11 ክሳብ 26 ሚልዮን ቶን ዓሳ፣ ብዘይሕጋዊን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብዝኾነ መንገዲ ይግፈፍ።

እዚ ድማ ብገንዘብ ክትመን እንከሎ፣ ካብ 10 ክሳብ 23 ቢልዮን ዶላር ይግመት።

ሕቡራት ሃገራት ብዘቀመጥ መቓን ውሑስ ሸቶታት ምዕባለ፣ ዘይሕጋዊን ካብ ቁጽጽር ወጻኢን ዝኾነ ምግፋፍ ዓሳ ክሳብ 2020 ምሉእ ብምሉእ ክግታእ ኔርዎ።

ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኪሎሜተር ዝርጋሕ ገማግም ባሕሪ እውትንን ኤርትራ፣ ኣብ ኢንዱስትሪ ምግፋፍ ዓሳ ካብተን ዝደኸማ ሃገራት ዓለም እኳ እንተኾነት፣ ካብ የመን፣ ግብጺ፣ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ዝመጹ ዘይሕጋውያን ገፈፍቲ ኣብ ክሊ ማይ ከይጽግዑ ክትገትእ ምጽንሓ ይግለጽ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0