ኤርትራ፣ ኩፖን መመዝመዚ ንኹሉ ጉዳያት ኮይኑ ምህላዉ ህዝቢ የማርር

ኤርትራ፣ ኩፖን መመዝመዚ ንኹሉ ጉዳያት ኮይኑ ምህላዉ ህዝቢ የማርር

Radio Erena: 19 March 2018

Asmara Coupon

ኣብ ኤርትራ፣ ኩፖን ንመመዝመዚ ብዙሕ ጉዳያት ብምዃኑ ህዝቢ የማርር ምህላዉ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

መሰረታዊ ናይ መግብታትን ሃለኽቲ ነገራትን ብህግደፍ ካብ ዝውነና ዱኳናት ሕድሪ፣ ወርሕእዊ ብመቑነን ንምርካብ ብዝብል ጉልባብ ቅድሚ 15 ዓመታት ዝተኣታተወ ኩፖን፣ ንህዝቢ መገደዲ ኣብ ዘይደልዮ ጉዳያት ንምስታፍን ኮይኑ ምህላዉ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ስድራቤታት ብኩፖን ንዝዕድል መሻርፍ ንክረኽባ ናይ ሃማደኤ፣ ናይ ህግደፍ፣ ናይ ወፋሮ፣ ናይ ጎሓፍ…ወዘተ እናተባህለ ዝሕተተን ዘሎ ዘሎ ክፍሊታት ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

እዘን ብቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝመሓደራ ድኳናት፣ ህዝቢ ነቲ ብመጠን ኣታዊታቱ ኣብ ዕዳጋ ክረኽቦ ዘይኽእል መሰረታዊ መግብታት ንምሽማት ኣብ ወርሒ ሓንሳእ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን፣ ነቲ ኩፖን ጅሆ ብምሓዝ፣ “ዘይተኸፍለ ዕዳ ኣለኩም” እናበላ፣ ብህይወት ህዝቢ ይጻወታ ምህላወን እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ጠቒሶም።

እዚ ከይኣክል፣ ባኒ ብኩፖን ክዕድላ ዝተሓርያ ናይ ገዛውቲ ዱኳናት’ውን፣ ኣብዚ ናይ ህግደፍ ተወሳኺ ክፍሊት ናይ ምእካብ መስርሕ ክዋፈራ ይእዘዛ ምህላወን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የገንዝብ።

ህግደፍ፣ ንዘቤታውን ናይ ወጻእን ወፍርን ንግድን ኮነ ኢሉ ከምዘዳኸሞ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ኩፖን ዝተኣታተወሉ ኣውራ ምኽንያት፣ ጸገም መነባብርኡ ንምፍታሕ ዘይኮይኑ፣ ንህዝቢ ምስ ደቁ ብኸብዱ ጅሆ ብምሓዝ መጻወቲ ናይ ፖለቲካ ድሌታቱ ንምግባሩ’ዩ ክብሉ ኣረዲኦም።

ብብዝሒ ኣባላት ስድራ ወርሓዊ መሻርፍ ንምርካብ ተባሂሉ ዝተኣታተወ ኩፖን፣ መቆጻጸሪ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ንዝርከቡ ኣባላት ስድራቤታት ከምዘገልግል’ውን ይፍለጥ።

ስድራቤታት፣ ዓመታዊ ኩፖን ንኸሐድሳ፣ ሃለዋት ኣባላት ስድራቤታተን ከፍልጣ’የን ዘገድዳ።

ኩፖን ኣብ ኤርትራ ሓደሽ ተርእዮ ከምዘይኮይነ ብምምልካት ከኣ፣ ኣብ ዘመነ ደርግን ዘመነ ህግደፍን ዘሎ ኣሰራርሓን ዕላማ ኩፖን፣ ሓደን ተመሳሳልን ምዃኑ እቶም ምንጭታት ኣብ መወዳእታ ኣብሪሆም።

 

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0