ኤርትራ፣ እገዳ ክልዓለላ ናብ ኣስመራ ንዝበጽሐ ልኡኽ ሩስያ ሓቲታ

ኤርትራ፣ እገዳ ክልዓለላ ናብ ኣስመራ ንዝበጽሐ ልኡኽ ሩስያ ሓቲታ

Radio Erena: 22 October 2018

Eritrea Russia

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክልዓለ፣ ናብ ኣስመራ ምብጻሕ ንዘካየደ ብምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሚኻኤል ልዋንዶቪች ዝምራሕ ልኡኽ ሩስያ ሓቲቱ።

እቲ ፕረዚደንት ብዓርቢ 19 ጥቅምቲ፣ ምስ ልኡኽ ሩስያ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ፣ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን ድሕሪ ምልዓን እገዳ ብዝያዳ ክተርር ከምዝኽእል ዘለዎም እምነት ምግላጹ፣ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ታስ ሓቢሩ።

ኤርትራ፣ ምስ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ጅቡትን ጀሚራቶ ብዘላ ዲፕሎማስያዊ ርክባት፣ ባይቶ ጸጥታ ካብ 2009 ኣትሒዙ ኣንቢሩላ ዘሎ እገዳ ከልዕለላ’ያ ትሓትት ዘላ።

ኢትዮጵያን ሶማልን ንሓያሎ ዓመታት ሒዘንኦ ዝጸንሓ መርገጺ ብምቕያር፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክልዓል ክሓታ እንከለዋ፣ ጅቡቲ ግና ዛጊት መርገጺኣ ኣየነጸረትን።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ብጉዳይ ደገፍ ንዕጡቓት ሶማልን ምስ ጅቡቲ ዝተወልዐ ኵናትን ደሃይ ምሩኻት ጅቡትን ብዝምልከት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ክልተ እዋን እገዳ ክጸንዕ ከምዝወሰነ ኣይርሳዕን።

እቲ መንግስቲ ኣብ ሶማል ዝፍጽሞ ዝነበረ ምትእትታው ደው ከምዘበለ ዝእንፍት ጸብጻባት ተቖጻጻሪት ጉጅለ ከመልክት እንከሎ፣ ጅቡቲ ዘለዋ ጉዳይ ምሩዃትን ኣብ ከባቢ ራስ ዱሜራ ዘሎ ምስሕሓብን ዛጊት መዕለቢ ኣይረኸበን።

ባይቲ ጸጥታ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝነነብረ እገዳ ይልዓል ዶ ይቐጽል ኣብ ዝብል፣ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ውሳኔ ክህበሉ’ዩ።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝነብረ እገዳ ክልዓል ዝብል ነጥቢ፣ ብ5 ቀወምትን 10 ድማ ዘይቀወምትን ኣባላት ዘለዎ ባይቶ ጸጥታ ይዝተየሉ እኳ እንተሎ፣ ናይ ቀውፊ መሰለ ዘለወን ሓደ ሓደ ሃገራት ግና፣ ብወገን ኤርትራ ተስፋ ዝህብ ለውጥታት ከይተራእየ እቲ እገዳ ብቕጽበይ ከይልዓል ዝብል መርገጺ ሒዘን ምህላወን ዲፕሎማስያውን ምንጭታት የመልክቱ።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0