ኤርትራ፣ ኣብ 2020፣ ብዓጸቦ ዝተጠቕዑ ልዕሊ 69 ሽሕ ቆልዑ ሓገዝ ከምዝተገብረሎም ዩኒሴፍ ገሊጹ

Radio Erena: 04 February 2021

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብዛ ዝተዛዘመት ዓመተ 2020፣ ብዓጸቦ ዝተጠቕዑ 69,300 ቆልዑ፣ ሓገዝ ከምዝተገብረሎም ኣህጉራዊ ማዕከን ቆልዑ- ዩኒሰፍ ገሊጹ።

ካብቶም ኣብ ኤርትራ ሓገዝ ዝተገብረሎም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ልዕሊ 69 ሽሕ ቆልዑ፣ እቶም 17,800 ብኸቢድ ዓጸቦ ተሰኒፎም ዝነበሩ ምዃኖም፣ እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ብ1 ለካቲት ኣብ ዝዘርግሖ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣነጺሩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ንልዕሊ 247,200 ቆልዑ፣ ክታበት ቫይታሚን ኤ ክወሃብ እንከሎ፣ ንልዕሊ 150, 500 ቆልዑ ድማ ካልእ ዝተፈላለየ ክታበታት ምሃቡ ዩኒሴፍ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ኣብዛ ዝተዛዘመት ዓመት፣ ኣብ መላእ ኤርትራ ብጠቕላላ፣ ብሕማም ውጽኣት ዝተጠቕዑ 116,200 ቆልዑ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም እንከሎ፣ ካልእ ንቆልዑ ዘጥቅዕ ሕማማት’ውን ሓገዛት ከምዝተገብረ ተፈሊጡ።

ዩኒሴፍ ብተወሳኺ፣ ንማሕበራዊ ሕሰም ዝተቓልዓ 494 ኤርትራውያን ስድራቤታት ከምዝሓገዘ ብምጥቃስ፣ በቲ ሓገዝ ስንኵላን ዝርከብዎም 2,080 ቆልዑ’ውን ተጠቐምቲ ምዃኖም ኣረዲኡ።

እቲ ትካል፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ 2020 ዘካየዶ ዝተፈላለየ ፕሮጅከታት 10.6 ሚልዮን ዶላር ከምዘውጽአ የመልክት።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0