‘ኤርትራ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ 525 ቶን ዓሳ ተኣኪቡ።’ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ

Radio Erena: 10 February 2023

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ 525 ቶን ዓሳ ከምዝተኣከበ፣ ንሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ፣ ኣቶ ሑሴን መዓውያ ብምጥቃስ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ሓቢራ።

እታ ጋዜጣ፣ ኣብ ናይ 07 ለካቲት ሕታማ ኣብ ዝዘርጋቶ ዜና፣ ካብ ራሓይታ ክሳብ ጢዖ ኣብ ዘሎ ገማግም ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝነጥፋ፣ 450 ዓበይቲን ንኣሽቱን ጀላቡን ከምዘለዋ ኣፍሊጣ።

ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ብተወስኺ፣ ኣብቲ ዞባ፣ ዓመተ 2022፣ ካብ ዝተኣከበ 525 ቶን ዓሳ፣ እቲ 372 ቶን ጥሉል፣ እቲ 153 ቶን ድማ ንቑጽ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፣ ካብ ዘለዋ 17 ዲጋታት፣ ኣብ’ተን 14 ምርባሕ ዓሳ ይካየድ ከምዘሎ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ዝሓበረት እታ ጋዜጣ፡ ኣብ2022፣ ካብ ሸውዓተ ዲጋታት እቲ ዞባ፣ ኣስታት 6 ሽሕ ኪሎ ዓሳ ከምዝተገፈፈ ምጥቃሳ ይዝከር።

ኤርትራ፣ ካብ ብከላ ናጻ ዝኾነ፣ ሰፊሕ ገማግም ባሕሪ ትውንን ክነሳ፣ ስጋ ዓሳ ከም መግቢ ከተተኣታቱ ኣይክኣለትን።

ኣብ ዙርያ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝርከባ ሃገራት፣ ኤርትራ፣ ንመግቢ ይኹን ንሰደድ፣ እታ ዝወሓደ ንጥፈታት ምግፋፍ ዓሳ ዝካየደላ ሃገር’ያ።

ኣብ 2020፣ ፍርያት ዓሳ ኣብ ኤርትራ፣ ኣስታት 5500 ቶን ምንባሩ ጸብጻብ ባንክ ዓለም ይጠቕስ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0