ኤርትራ፣ ኣብ ዋዕላ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብምግሃስ መሰል ደቂ ሰብ ብተሪር ተነቒፋ

ኤርትራ፣ ኣብ ዋዕላ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብምግሃስ መሰል ደቂ ሰብ ብተሪር ተነቒፋ

Radio Erena: 25 June 2015

Human right council

መበል 29 ስሩዕ ዋዕላ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብምትኳር ኣብ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ዘተን ክትዓትን፣ ሓያሎ ሃገራት ነቲ ብ ኤርትራ ይፍጸም ከምዘሎ ዝተገልጸ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክኹንና እንከለዋ፣ ቻይና ድማ፣ ብሓፈሻ ንሓንቲ ሃገር ብፍሉይ ዒላማ ዝገበረት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ምቛሙ ከምዘይትድግፍ ኣፍሊጣ።

እንተኾነ ቻይና ነቲ ብዛዕባ ኤርትራ ኣመልኪቱ ዝቐረበ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ዝቃወም ዝኾነ ቃል ከምዘየስምዐት ኣብቲ ዋዕላ ዝሳተፍ ዘሎ ጋዜጠኛ ሬድዮ ኤረና ካብ ቬኔቫ ኣረጋጊጹ።

ወኪል መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረበ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ከም ልሙድ ንብምሉኡ ክነጽጎ እንከሎ፣ ወከልቲ ሓያሎ ሃገራት ከኣ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ተፈጺሙ ክኸውን ይኽእል ኣብ ዝብል ነጥቢ ብምትኳር ተወሳኺ ምጽራይን መጽናዕትን ክግበረሉ እማመታት ኣቕሪቦም።

 

ብመሰረት እዚ ዝቀረበ እማመታት፣ ዕማም ናይታ ብሕቡራት ሃገራት ዝቖመት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ’ውን ትጽቢት ኣሎ።

=======================================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0