ኤርትራ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ሴካፋ ብሃንደበት ቦኺራ

Radio Erena: 03 October 2022

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ካብ 30 መስከረም ክሳብ 19 ጥቅምቲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ማለት ሴካፋ ብሃንደበት ስሒባ።

ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ መርሓ ግብሪ፡ ሻምፕዮን ኩዕሶ እግሪ ጁንየር (ትሕቲ 17 ዓመት) ደቂ ተባዕትዮ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምስታፍ ኣብ ዘኽእል፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ስታድዮም ኣበበ በቂላ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ንኽሳተፋ መደብ ተታሒዙለን ዝነበራ ኣባላት ሃገራት ሴካፋ 10 ‘የን ኔረን።

ኣብ መኽፈቲ ዕለት፣ ኣብ 30 መስክረም፡ ምስ ሶማል ክትጋጠም መደብ ተሰሪዑላ ዝነበረት ኤርትራ፡ ናብቲ ውድድር ተጻወታ ከምዘይትልእኽ፣ ንሴካፋ ብጽሑፍ ከም ዘፍለጠት፡ እቲ ማሕበር ኣገንዚቡ።

ኤርትራ፣ ኣብቲ ኣብ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ንዝርከባ ሃገራት ዝጥርንፍ፣ ዝገደመ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዝወደቦ ዞባዊ ግጥም፣ ኣብ ውዱእ ሰዓት ከምዘይትሳተፍ ዘፍለጠትሉ ምኽንያት ኣይተነጸረን።

ርዋንዳ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ውዱእ ሰዓት ካብቲ ዞባዊ ግጥም ከምዝሰሓበት’ዩ ተመልኪቱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ሱዳንን ጁቡቲን፣ ንዕድመ ተጻወቲ ሕጊ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ወይ ከኣ ካፍ ብዘይ ምኽባረን ካብ ግጥማት ሴካፋ ተባሪረን ኣለዋ።

ንምደባ ግጥማት፣ ብሃንደበት ዳግም ከተዓራሪ ዝተቐሰበ ሴካፋ፣ ብሰንበት 2 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ምስራዕ ዕጫ፣ ኣብ ምድብ ሓደ ኢትዮጵያ፡ ታንዛንያን ሶማልን፡ ኣብ ምድብ ክልተ ኡጋንዳ፡ ብሩንዲን ደቡብ ሱዳንን ተደልዲለን ኣለዋ።

ስእሊ፣- ሃ/ጋ/ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0