ኤርትራ፣ ኣብ ባህርዳር ኣብ ዝካየድ ግጥማት ሴካፋ ክትሳተፍ ምዃና ተሓቢሩ

Radio Erena: 27 April 2021

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ታዛንያን ኡጋንዳን ካብ ዝተኻየደ ግጥማት ሴካፋ ዝቦኸረት ኤርትራ፣ ካብ 3 ክሳብ 18 ሓምለ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝካየድ ውድድር ሴካፋ ሲንየር ቻሌንጅ ካፕ ክትሳተፍ ምዃና ተሓቢሩ።

ኤርትራ ኣብ’ቲ ብዙሕ ኣድናቖት ዝረኸበትሉ፡ ኣብ 2019 ዝተገብረ ተመሳሳሊ ውድድር፡ ንፍጻሜ በጺሓ፡ ብኣአንጋዲት ሃገር ኡጋንዳ 3 ብ 0 ተሳዒራ ካልኣይ ደረጃ ከምዝሓዘት ኣይርሳዕን።

ኣብቲ እዋን’ቲ፣ ሓያሎ ተጻወታ ዑቕባ ንምሕታት’ውን ኣብ ኡጋንዳ ተሪፎም’ዮም።

ኤርትራ፣ ኣብዚ ሎሚ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ግጥማት ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃ ንምስታፍ 20 ሽሕ ዶላር ክትከፍል’ያ።

ፈጻሚ ዳይሬክተር ሴካፋ፡ ኣውካ ጋቼዎ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ነፍሲወከፍ ኣብ’ዚ ውድድር እትሳተፍ ሃገር፡ ንቐረብ ሎጂስቲክስ ተመሳሳሊ መጠን ገንዘብ ክሕተታ’የን።

ኤርትራ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ውድድር፡ ኣብ’ቲ ካብ 17 ሓምለ ክሳብ ባሕቲ ነሓሰ ኣብ ኬንያ ንፈለማ እዋን ዝሰላሰል፡ ውድድር ሻምፕዮንስ ሊግ ክለባት ደቂ’ኣንስትዮ ሴካፋ’ውን ክትካፈል ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ውድድር ብዘይካ ናይ ሶማል፣ ንኤርትራ ኬንያ፡ ሃገራት ታንዛንያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ ርዋንዳ፡ ብሩንዲን ዛንዚባርን ዝወከላ ክለባት ክጋጠማ’የን።

ሴካፋ ኣብ’ዚዓመት ሰሪዕዎ ብዘሎ መደባት፣ ብዘይካ’ዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ግጥማት፣ ካብ 1 ክሳብ 15 ነሓሰ፡ ውድድር ሻምፕዮን ክለባት ሴካፋ ደቒ ተባዕትዮ ንዋንጫ ካጋመ ኣብ ታንዛንያ፡ ካብ 14 ክሳብ28 ነሓሰ፡ ውድድር ሻምፕዮን ደቒ ኣንስትዮ ሃገራት ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ ኡጋንዳ፡ ካብ 17 ክሳብ 31 ታሕሳስ፡ ውድድር ሲንየር ቻሌንጅ ካፕ ደቒ ኣንስትዮ ሴካፋ፡ ኣብ ጁቡቲ ክካየድ እዩ።

ክቡራት ተኸታተልቲ፡ ሰፊሕ ትሕዝቶ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኣብ ናይ ሎሚ ሰሉስ 27 ሚያዝያ ፈነወና ተኸታተሉ፡

ስእሊ፤-  ሃ/ጋ/ኤ ኣብ ኡጋንዳ ጥቅምቲ 2019 ካብ ኣርካይቭስ ዓኢንተርነት

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0