ኤርትራ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ንኣስታት 30 ዓመታት ለውጢ ዘይርኣየት እንኮ ሃገር

Radio Erena: 26 June 2020

ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ናጽነተን ካብ ዝተጎናጸፋሉ ዕለት ኣትሒዘን፣ እግሪ እግርን ስዒቡ ዝመጽእ ምልኪ’ዩ።

ምልኪ ዘይደሃኻ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣላ ክትብሃል ኣይትኽእልን።

ናጽነት ተኸቲሎም ዝመጹ መራሕቲ፣ ን10ታት ዓመታት ስልጣን ብምብሓት፣ ለውጢ ንዝጠለቡን ዝተቓወሙን ዜጋታቶም ክጭፍጭፉን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከሕቅቑን ልሙድ ምስሊ ናይዛ ኣህጉር’ዩ።

መብዛሕቶም እዞም መራሕቲ፣ ውሑስ ምስግጋር ስልጣን ከይገበሩ፣ እንተስ ብወትሃደራዊ ዕልዋ እንተስ ብሞት ይእልዩ።

ስልጣን ንምሓዝ ኣብ ዝግብር ወትሃደራውን ፖለቲካውን ቁርቁስ ዝፈጥሮ፣- ናይ ቀቢላ፣ ብሄር፣ ኣውራጃ፣ ሃይማኖትን ካልእን ግጭታት ድማ እቲ ካልእ ምስሊ ናይዛ ኣህጉር’ዩ።

ኤርትራ፣ ኣብ 1991 ናጽነታ ኣብ ዝተጎናጸፈትሉ፣ ነዚ ግናይ ምስሊ ኣህጉር ኣፍሪቃ ክትልውጥ ተስፋ ዝተነብረላ ሓዳስ ሃገር ኔራ።

ግን ብግዝያውነት ዝቖመ መንግስቲ፣ ሕሉፍ መላኺ ምዃኑ ከግህድ ግዜ ኣይወሰደሉን።

እዛ ካብ ኣስታት 192 ሃገራት ዓለም፣ ብድኽነት ምስ ቀዳሞት ሓሙሽተ እትስራዕ ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ካብቶም ዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝተኾየጠ መራሒ’ዩ ዘለዋ።

ኣብ ኣፍሪቃ ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከቡ መራሕቲ፣ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ሓዊስካ፣ ሸሞንተ’ዮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ መሳልል እዚ ሻዱሻይ ተርታ ክሕዝ እንከሎ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ግና ቀዳማይ’ዩ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ እቶም ዝነውሐ ዓመታ ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ መራሕቲ ተባሂሎም ቀዳማይ ካልኣይን ደረጃ ዝሓዙ መራሕቲ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሺርን ፕረዚደንት ኢሳይያስን’ዮም።

ዑመር ሓሰን ኣልበሺር፣ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ስልጣን፣ ብህዝባዊ ናዕቢ ዝሓለፈ ዓመት ተኣልዩ፣ ኣብ ማእሰርቲ ይርከብ።

ካልኣይ ደረጃ ዝነበሮ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ብዕድመ ምንዋሕ ስልጣን ቀዳማይ ቦታ ተረኪቡ፣ ናብታ ድሕሪ ኣልበሽር፣ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምትእትታው ተተይ ትብል ዘላ ሱዳን ምብጻሕ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ህዝብታትን ብዝደፍኦ ናይ ለውጢ ድሌታት፣ ምቅይያር መራሕቲ ክርኢ እንከሎ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ን29 ዓመታት ለውጢ ዝብሃል ከይርኣየ፣ ኣብ በቤቱ ተዓጽዩ፣ ብሻቕሎትን ጥሜትን፣ ናብ ዘይፍለጥ መጻኢ የማዕዱ ኣሎ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Ermias 4 years ago

    Well artiqulated and spot on.

    Thank you once again for your effort of being the voice of the Voiceless.