ኤርትራ፣ ንነዊሕ ሰዓታት ዝቕጽል ዘሎ ምቁራጽ ኤሌክትሪክ ንመሰረታዊ ኣገልግሎታት ዕንቅፋት ይኸውን ምህላዉ ነበርቲ የማርሩ

Radio Erena: 11 January 2023

ኣብ ኤርትራ፣ ነዚ ዝሓለፈ ኣስታት 25 ዓመታት ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ዘሎ፣ ንነዊሕ ሰዓታት ዝቕጽል ምቁራጽ ኤሌክትሪክ፣ ንመሰረታዊ ኣገልግሎታትን ዕለታዊ ናብራ ናይቲ ህዝብን ዓንቂፉ ምህላዉ፣ ራድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ነበርቲ ከተማ ኣስመራ ሓቢሮም።

‘ኣብ ጸልማት ምንባር ለሚድናዮ ኢና።’ ዝበሉ እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገይሾም ዝርከቡ ነበርቲ ኣስመራ፣ ብሰንኪ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዘይምህላው ካብቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለምና ብቅልጡፍ ዝመሓላለፍ ዘሎ ሓበሬታ ድሕሪት ተሪፍና ኣሎና ክብሉ ኣስሚሮምሉ።

ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ፣ ከም ምድላው ዕለታዊ መግቢን ብቴሌፎንን ካልእን ዝካየድ ማሕበራዊ ርክባትን ዝኣመሰለ መሰረታዊ መሰላት ዜጋታት ንምርካብ ዝሕግዝ ክነሱ፣ ኣብ ኤርትራ ግና መብራህቲ ንውሱን ሰዓታት እኳ እንተተረኺቡ፣ ከም ሓለፋ ዝተዋህበና ኮይኑ’ዩ ዝስምዓና ክብሉ’ውን ኣረዲኦም።

ኣብ ርእሲ’ቲ ዘሎ ከቢድ ናይ መነባብሮ ጸገማት፣ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክን ማይን ዘይምህላው፣ ህዝቢ ኣብ ዕለታዊ ገልታዕታዕ ተጸሚዱ፣ ናብ ካልእ ከቛምት ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ወዲቑ ምህላዉ እቶም ነዚ ዝሓበሬታ ዝሃቡ ነበርቲ ከተማ ኣስመራ ኣብ መወዳእታ ደምዲሞም።

ኣብ ኤርትራ፣ ንልዕሊ 25 ዓመታት ዝቐጸለ ከቢድ ጸገማት ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክን ማይን እኳ እንተሎ፣ መንግስቲ ብዛዕባ’ዚ መሰረታዊ ምዕባለ ሓንቲ ሃገርን መሰል ዜጋታትን ዝኾነ ኣገልግሎታትን ገጢምዎ ዘሎ ብድሆታትን ብዝምልከት ንህዝቢ ሓበሬታ ከምዘይህብ ይፍለጥ።

ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብደረጃ ዓለም ኣንጸላልዩ ምስ ዘሎ ዋሕዲ ቀረብ ጽዓት፣ ሓያሎ ሃገራት ኣብ ኣጠቓቕማ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ናህሪ ዋጋታቱን ብዝምልከት ንህዝበን እዋናዊ ሓበሬታ ኣብ ዝህባሉ ዘለዋ ግዜ፣ መንግስቲ ኤርትራ ከም ልማዱ ስቓታ መሪጹ ይርከብ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0