ኤርትራ፣ ‘ንለውጢ ኣይንህወኽን ኢና’ ፕ.ኢሰያስ; ‘ይኣክል፣ ብባዶ መብጽዓ ኣይንታለልን’ ህዝቢ ኤርትራ

Radio Erena: 26 May 2019

መበል 28 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፣ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ ክልተ ደምበታት ብምዃን ጸምቢሎማ።

ብፍላይ’ቶም ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒን ደሞክራስያዊ ለውጢን ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ናጽነት ሃገርና ንምርካብ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ረዚን ብምዃኑ፣ ውሑዳት ሰበስልጣንን ደገፍቶምን ጥራይ ዝዕንድሩላ ኮይና ክኸይትተርፍ ቃልሶም ብዝሓይለ መንፈስ ክቕጽሉ ምዃኖም ቃል ብምእታው ከምዘብዓሉዋ፣ ከካብ ቦትኡ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብዚ መበል 28 ዓመት በዓል ናጽነት ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ሰላም ተረኺቡ ኢልና ንለውጢ ኣይንህንደድን ኢና ምባሉ፣ ብቐደሙ’ውን ደሞክራሲን ስርዓተ ሕጊ ንምንጋስን እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ኲናት ከም መመሳመሲ ኮይኑዎ ከምዝጸንሐ ዝእንፍት’ዩ ክብሉ ፖለቲከኛታት ይገልጹ።

ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፣ ተስፋ ሰላም ርእዩ ራህዋን ቅሳነትን ሃንቀው ኣብ ዝብለሉ ዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ እቲ ፕረዚደንት ን28 ዓመታት ዝደጋገሞ ጓንጓ መብጽዓታት ሒዙ ምምጽኡ፣ ከምዘጉሃዮም እዮም ሓያሎ ወገናት ዝገልጹ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ዘለዎ ሕሰምን መከራን ወጺኡ፣ ንቡር ህይወቱ ዝጅምረሉን፣ ብመስዋእቲ ደቁ ዝረኸባ ናጽነት ናይ ሓቂ ዘስተማቕረሉን እዋን ሃንቀው እንዳበለ፣ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብኣንጻሩ ህዝቢ ብሕጂ’ውን ነዚ ናይ ሕሰም መነባብሮኡ ተጸሚሙ ክቕጽሎ ብምጽዉዑ፣ ‘ይኣኽለካ፣ ብድሕሪ ሕጂ ብባዶ መብጽዓታትካ ኣይንታለልን’ ክብሉ’ዮም ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ድምጾም ብሰፊሑ ዘስምዑ ዘለዉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    Tesfay 5 years ago

    not consul but it is council (biet mkri in tigrigna) i.e concerning the transitional leadership of The Sudan.

  • comment-avatar
    ኣስና 5 years ago

    ብልክዕ ጓንጓ መብጾዓ!