“ኤርትራ፣ ተነዲፉ ብሰንኪ ኵናት ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ቅዋም፣ ከተተግብሮ’ያ ትደሊ” ሚ/ጉ/ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ

Radio Erena: 21 October 2019

ኤርትራ፣ ነቲ ተነዲፉ፣ ብሰንኪ ኵናት ንሓያሎ ዓመታት ትግባሪኡ ተደናግዩ ዝጸንሐ ቅዋም ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ከምዝእትደሊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጽኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር፣ ምስ ሓንቲ ካብ ማዕከናት ዜና ጀርመን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ፣ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት፣ ምትካል ደሞክራስያዊ ትካላዊ መንግስቲን ጠንቂ ስደት’ዩ እናተባህለ ዝግለጽ ናይ ግዜ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ተሓቱቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ኤርትራ ሰራዊት ናይ ምጥያስ መደብ ከምዘለዋ ብምሕባር፣ እዚ ግና ብተብተብ ዝኸውን ከምዘይኮነ ጠቒሱ።

ድሕሪ ርክብ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዝመጸ ምምሕያሻት እንተሎ ንዝሃቦ መልሲ ድማ፣ ካብ ጎረባብትና ዝሓሸ ናይ ሰላም ሃዋሁ ኣሎና፣ ምፍጣር ስራሕ ነዚ ዘሎና ጸጥታን ርግኣትን ከውሕስ ይኽእል’ዩ ድሕሪ ምባል፣ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዘሎና ጸጋ፣ ኣህጉራዊ ወፍሪ’ውን ሓጋዚ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ብሰንኪ ሃገራውት ኤውሮጳ ንኤርትራውያን ዝሃብኦም ሓለፋ’ዩ ተደፋፊኡ ድሕሪ ምባል፣ ብዙሓት ዜጋታት ጎረባብቲ ሃገራት ብስም ኤርትራውያን ዑቅባ ከምዝሓቱ ገሊጹ።

መንግስቲ ጀርመን፣ ንዘቕርቦ ዘሎ ከም ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላትን ምትካል ደሞክራስያዊ መሓውራትን ዝኣመሰለ ጠለባት ብዝምልከት ሚኒስተር ዑስማን፣ ኤርትራ፣ ሓጽብታትን ዲጋታትን ብምህናጽ፣ ቀረባት ማይ ብምውሓስ፣ ናጻ ትምህርቲ ብምሃብ፣ ጥዕና ዜጋታት ኣብ ምርግጋጽን ዘመዝገበቶ ሸቶታት ሚልዮንዮ ንባዕሉ ሰብኣዊ መሰላት’ዩ ክብል መሊሱ።

ጀርመን ኣብዚ መዳይ’ዚ ብዘይ ቅድመት ኩነት መሻርኽቲ ክትከውን ከምእትኽል’ውን ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ግብሪ ዘይውዓለ ቅዋም፣ ንምትግባሩ ድሌት ከምዘሎ ብምእንፋት፣ እዚ ግና ብዘይ ምምሕያሽ ቁጠባ ክዕወት ከምዘይክእል ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ጽምብል መዓልቲ ናጽነት ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ሓድሽ ቅዋም ንነድፍ ኣሎና ከምዝበለ ኣይርሳዕን።

ሚኒስተር ዑስማንን እማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ሳሕቲ ዝህብዎ መግለጺታት ምስቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝህቦ መግለጺታት ፈጺሙ ዝሳነ ኣይኮነን።

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣቐዲሙ ምስ ሬድዮ ፈረንሳ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ፣ ካብ 2001 ኣትሒዞም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰበ ስልጣን ነበርን ጋዜጠኛታትን ናይ ፖለቲካ እሱራት’ዮም ከምዝበለ ይዝከር።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብኣንጻሩ፣ ኤርትራ ናይ ፖለቲካ እሱራት የብላን ኢሉ’ዩ ዝምጉት።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0