ኤርትራ፣ ብጉልባብ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ብወግዒ ሓገዝ ምሕታታ ተገሊጹ

Radio Erena: 16 June 2020

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብጉልባብ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ብወግዒ ሓገዝ ከምዝሓተተ ንሓደ ካብ ሓለፍቲ ናይ ወጻኢ ፖሊስ ‘ቲ ሕብረት ሎዛር ጃሽክ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ኢዩ ኦብዘርቨር ሓቢሩ።

እቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዘቕረቦ ዝርዝራዊ ሓበሬታ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ኣስመራ ቤት ጽሕፈት ካብ ዝኸፈተሉ ኣብዚ 25 ዓመታት፣ መንግስቲ ኤርትራ ብወግዒ ሓገዝ ክሓቶ እዚ ንመጀመርያ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣማኢት ሚልዮናት ዝግመት ልምዓታዊ ሓገዛት ከምዝሃቦ ሰነዳት የረጋግጽ። እቲ ተብግሶ በቲ ሕብረት ዝተወስደ’ዩ።

እቲ መንግስቲ ምስ ኢትዮጵያ ርክብ ድሕሪ ምጅማሩ፣ ካብ ወደባት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ጽርግያ ንምሕዳስ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ኣስታት 20 ሚልዮን ኤውሮ ምልጋሱ ካብ ኣባላት ፓርላምኡን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተቓውሞ ምግጣሙ ኣይርሳዕን።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይወቕሱ። እንተኾነ፣ ብኣንጻሩ በብግዜኡ ልምዓታዊን ሰብኣዊ ሓገዛት ከበርክተሉ ጸኒሑ’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ብዝጸንሖ ዘይምርድዳእ፣ ነቲ መንግስቲ ተመዲቡ ዝነበረ 30 ሚልዮን ኤውሮ ናብ ሱዳን ክልኣኽ ከምዝተወሰነ፣ ሃንስ ስቶስቦል ዝተባለ፣ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ኮሚሽን ናይቲ ሕብረት ኣብ ጉዳያት ልምዓታዊ ሓገዝ ጠቒሱ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ፈጢርዎ ዘሎ ቁጠባዊን ሰብኣውን ቅልውላው፣ እቲ ሕብረት፣ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ክህበን እንከሎ፣ ንኤርትራን ሱዳንን ገሊሉወን።

ብፍላይ ኢትዮጵያ ምስዚ ናይ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ተበርኪቱላ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብጉልባብ ለብዳ ኮረና ቫይረስ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ብወግዒ ሓገዝ ምሕታቱ፣ ምስቲ ሕብረት ዝምድንኡ ንምምሕያሽን ለውጥታት ንምትእትታውን ዝእንፍት ክኸውን ከምዝኽእል ጸብጻብ ኢዩ ኦብዘርቨር ይትንትን።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    ሓገዝ ኣይድልያን ኤርትራ ዕድመ ንደቃ ኣይትሰከፍ እቲ ሓገዝ ንለመንቲ ሃቦም