ኤርትራ፣ ቤ/ክ ቅድስተ ማርያም ስቶክሆልም፣ ብሰንኪ ዘይግቡእ ምሕደራ፣ ኣባላታ ይከላበቱ

Radio Erena: 17 November 2019

ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን እትርከብ ቤተክርስቲያን ቅድስተ ማርያም፣ ብሰንኪ ዘይግቡእ ምሕደራ፣ ኣባላታ ቀዋሚ ቦታ ስኢኖም ይከላበቱ ከምዘለዉ ወኪል ሬድዮ ኤረና ሓቢሩ።

እቶም ዝምረጹ ኣመሓደርቲ እውን ጸግዒ መንግስቲ ኤርትራን ዝሕዙ ሽማግለታት ብምዃኖም፣ ተወሳኺ ጸገም ኮይኑ ከምዘሎ ይግለጽ።
ነታ ቤተክርስቲያን ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝመርሑዋ ዝነበሩ ቀሺ ያሬድ ኣብ ዝዓረፉሉ፣ ብስሞም ‘ሕድሪ ኣቦና’ ብዝብል ኣብ ሸሞንተ ወርሒ ዘይመልእ ግዜ ኣስታት 800 ሽሕ ክሮና ከምዝተኣከበ ኣብታ ቤተክርስቲያን ካብ 2010 ክሳብ 2014 ብመምህርና ዘገልገለ ዘገልገለ መምህር የማነ ገብረትንሳኤ ይገልጽ።

ንሱ ብተወሳኺ፤ ንመስርሒ ቤተክርስቲያን፣ ውጽኢት ሞባእ፣ ካብ መንግስቲ ሽወደን ዝወሃብ ሓገዝ፣ ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ኣታዊታት ዝቕመጠሉ ሰለስተ ናይ ባንክ ሕሳባት እኳ እንተነበረ፣ ድሕሪ ኣስታት 28 ዓመታት ካብ 2 ሚልዮን ዘይበዝሕ ገንዘብ ጥራይ እዩ ዘሎ ተባሂሉ ብሽማግለታት እታ ማሕበር ከምዝተነግረ ኣብሪሁ።

ምትእትታው መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን፣ ገለ ኣባላት ሽማግለ እታ ቤተክርስቲያን ንህዝቢ፣ ብደጋፊን ተቓዋሚን ክከፋፈል ከምዝገደፉዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ ዘይረዓማ ከተማታት ናይ ገዛእ ርእሰን ቤተክርስቲያናት ብምህናጽ ተፈናጪለን ይርከባ።
እዚ ዝመሰረቱ፣ እታ ብኣሽሓት ዝቑጸር ሰዓቢ ዝነበራ ቤተክርስቲያን፣ ኣብ መሓዩር ንዝርከቡ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝድግፉ ብሓደ ወገን፣ ንመንግስቲ ኤርትራን ዝወከሎም ኣቡነ ሉቃስን ዝድግፉ ከኣ በቲ ካልእ ተኸፋፊሎም ይርከቡ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0