ኤርትራ፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ወርሓዊ ደሞዞም ንመኸተ ኮረና ቫይረስ ከወፈዩ ይቕሰቡ

Radio Erena: 03 May 2020

ኣብ ኤርትራ፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ወርሓዊ ደሞዞም ንመኸተ ኮረና ቫይረስ ከወፍዩ ይቕሰቡ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ብፍላይ እቶም ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን፣ ኣብ ቅድመ ግንባር ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪ ጥዕና፣ ሓያሎ ሃገራት ከምዝገብርኦ ዘለዋ መተባብዒን ዝያዳ ሰዓታት ናይ ዝሰርሕዎ ድማ ተወሳኺ ክፍሊትን ኣብ ክንዲ ምምዳብ፣ እቶም ልዕሊ 1000 ናቕፋ ዝደሞዞም፣ ወርሓዊ ኣታዊኦም ከወፍይዮ ዘገድድ መልእኽቲ’ዩ ተመሓላሊፍሎም።

እቲ መንግስቲ፣ ብቀጥታ ከረኻክበሎም ንዝኽእል ኣብ ከም በዓል ስዑዲ ዓረብ ንዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ናይ ኮረና እናበለ ገንዘብ ክኸፍሉ ከገድድ እንከሎ፣ ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን’ውን፣ ኣብዚ በዳሂ እዋን እጃሙ ዘየበርከተ እናበለ ብምፍርራሕ ገንዘብ ክእክብ’ዩ ዝርአ ዘሎ።

ይኹን’ምበር እቲ መንግስቲ ይኹን ካቢነ ሚኒስተራቱ፣ ብዘይካ’ቲ ዘሕለፍዎ ኣዋጅ ውሸባ፣ ኣብ እዋን ለበዳ ይኹን ድሕሪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ብዛዕባ ዝህሉ ኣተገባብራ ሕውየት ቁጠባን ናይ ጥዕናን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን መደባት ክዝትዩን ክመያየጡንን ይኹን ንህዝቢ መብርሂታት ክህቡን ዛጊት ኣይተራእዩን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ባሕቲ ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፣ ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት ዓለም ኣብ ኣባይቶም ተዓጽዮም ኣብ ዘለውሉ እዋን ተዘኪራ።

ባሕቲ ግንቦት 2020፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ 10ታት ሚልዮናት ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ደው ኢሎም፣ ኣብ ኣባይቶም ዝዝክሩዋ ዘለውይ ፍልይቲ ዕለት ኮይና ተመዝጊባ ኣላ።

እዛ ዕለት፣ ኣብ ካልእ እዋን፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት፣ ሰራሕተኛታት ዝያዳ ውሕስነትን መሰልን ክሕለወሎም ብዝጠልብ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፍታት ክትዝከር ምጽንሓ ዝፍለጥ’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0