ኤርትራ፣ ማዕበል ‘ይኣክል’ ብሓድሽ መንፈስ ይቕጽል

Radio Erena: 26 May 2019

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ዘካዪዱዎ ዘለዉ ናይ ‘ይኣክል’ ጻውዒት፣ ተቐማጦ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ከምኡ’ውን ሽወደን ኣብዚ ሳልስቲ ብእኩብ ድምጾም ኣስሚዖም።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ዲሲን ከባቢኣን ኣብ ዘካየዱዎ ሰፊሕ ዘተን ሰሚናርን ዘጠቓለለ ህዝባዊ ኣኼባ፣ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ለውጢ ማዕበል ብውዱንን ዕላምኡ ዘነጸረን ንክኸውን ተሳታፍነት ሓፋሽ ህዝቢ ወሳኒ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።

ነዚ ሓድሽ ማዕበል ጻውዒት ‘ይኣክል’ ናይ ፈለማ ጀማሪ ዝኾነ ኣቶ ኣማኑኤል ክፍሉ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቡ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ‘እቲ ጻውዒት ናይ በይነይ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ልቢ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብምጽንሑ’ዩ ዓቢ ጽልዋ ፈጢሩ ድሕሪ ምባል፣ እዚ እዋን’ዚ ናብ ካልኣይ መድረኽ ንሰጋገረሉ እዋን’ዩ’ ብምባል ጻውዒት ይኣክል ካብ መልእኽቲ ማሕበራዊ ሜድያ ሓሊፉ ኣብ ባይታ ኣብ ግብሪ ክሰጋገር ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ህዝባዊ ማዕበል ይኣክል ኣብ ኤርትራ ፍትሒን ደሞክራሲን ክሰፍን፣ ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ክፍትሑ፣ ስርዓተ ሕጊ ክነግስ ክጠልቡ ናይ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ብሓድሽ ሓይልን ማዕበልን ዳግማይ ዝተበራበረ ኣብያ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ኣብ ከተማ ለንደንን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን እውን፣ ኣብ ኤርትራ ብዘይመስርሕ ፍርዲ ንዓመታት ዝተኣስሩ፣ ብፍላይ ከኣ ናይ ሕልና እሱራት ፍትሒ ክረኽቡ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ሓደ ጎደና ኣብ ካልኣይ መንጽር ዝነበሩ ደገፍቲ ህግደፍ ንመራሒኦምን መንግስቶምን ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም። ሓደ ክፋል’ቲ ጎደና ‘ፍትሒ ንውጹዕ ንጠልብ’ ዝብል ድምጺ ክስማዕ እንከሎ፣ ኣብቲ ካልኣይ ክፋሉ ድማ ‘ጽቡቕ ኢና ዘለና፣ ከምኡ ንቐጽል’ ዝብሉ ደቂ ሓንቲ ሃገር፣ እሞ ከኣ ኣብ ሰላምን ፍትሕን ዘለዎ ሃገር እንዳነበሩ ንዝካየድ ምርኢት ምዕዛብ ንረኣዪኡ ዘስደመመ ፍጻሜ ምንባሩ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

እዚ ድሕሪ ፖለቲካዊ ዕርቂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዳግማይ ብሓድሽ ሓይሊ ተበጊሱ ዘሎ ማዕበል ይኣክል፣ ኣብ ህዝቢ ክሳብ ክንደይ ጥርናፈ ፈጢሩ ከምዘሎ ነዚ ናይ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ፍጻሜ ምርኣይ ጥራይ እኹል ስእሊ ክፈጥር ዝኽእል’ዩ ክብሉ’ዮም ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ዝገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Your media channel is not free your are more i
    Of an opposition media