ኤርትራ፣ ሎሚ ኣብ ርዋንዳ ዝኽፈት ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ትሳተፍ ኣላ

ኤርትራ፣ ሎሚ ኣብ ርዋንዳ ዝኽፈት ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ትሳተፍ ኣላ

Radio Erena: 13 February 2018

Eri

ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ (African Continental Cycling Championship)፡ 2018 ዓመተ ምህረት፡ ሎሚ ሰሉስ 13 ለካቲት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ርዋንዳ ክኽፈት እዩ።

ብኣሰልጠንቲ ሳምሶም ሰለሙንን ዮናስ ዘካርያስን እትምራሕ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ 17 ተቐዳደምቲ ሒዛ ናብ’ዚ ውድድር ቀሪባ ኣላ።

ተቐዳደምቲ ተስፎም ዑቕባማርያም፡ መኽሰብ ደበሳይ፡ ኣማኑኤል ገብረዝጋብሄር፡ መትከል ኢዮብ፡ ሜሮን ተሾመ፡ ሳይሞን ሙሴ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃንን ኤልያስ ኣፈወርቂን ኣብ ኤሊትን ትሕቲ 23 ዓመትን ንኤርትራ ዝውክሉ ክኾኑ ከለዉ፡ ተቐዳደምቲ ቢንያም ግርማይ፡ ናታን መድሃኔ፡ ቶማስ ጎይትኦምን ሃገር ዓንደማርያምን ድማ፡ ኣብ ናይ ጁንየር ውድድር ክስለፉ እዮም።

ብወገን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ናይ ኤሊት ውድድር ተቐዳደምቲ ሞሳና ደበሳይ፡ ወሓዚት ኪዳነ፡ ብስራት ገብረመስቀልን ትዕግስቲ ገብረሂወትን ፡ ኣብ ናይ ጁንየር ውድድር ከኣ፡ ተቐዳዳሚት ደሴት ኪዳነ፡ ንኤርትራ ወኪለን ኣብዚ ክሳብ ቀዳም 18 የካቲት ዝካየድ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ክሳተፋ’የን።

ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ኣብ 2001 ዝጀመረ ኮይኑ፡ ካብ 2005 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዓመታዊ ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 2014 ግን፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣይተገብረን። ኤርትራ ንፈለማ እዋን ኣብ 2005 ዓመተ ምህረት ዝተሳተፈት ክትከውን ከላ፡ ብጀካ ኣብ 2006 ከምኡ’ውን 2009፡ ከይበኾረት ኣብ ኩሉ ተወዳዲራ።

ኣብ 2007 በረኸት የማነ ኣብ ውድድር ክሮኖሜትር ብዝረኸባ ነሓስ ሜዳልያ ዓወታ ኣሃዱ ኢላ ዝጀመረት ኤርትራ፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዘካየደቶ 9 ውድድራት ጽርግያ፡ ናትናኤል ብርሃነን ተስፎም ዑቕባማርያምን ክልተ ግዜ፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ሓንሳብ፡ ብሓፈሻ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ 5 ግዜ ሻምፕዮን ኮይኖም።

ሜሮን ርእሶም ኣብ 2010፡ ተስፋይ ኣብርሃ ኣብ 2011፡ ሜሮን ኣብርሃም (ሸቃ) ኣብ 2017፡ ብወገኖም ተሸለምቲ ብሩር ሜዳልያ ክኾኑ ከለዉ፡ ፍረቓልሲ ደበሳይ ኣብ 2012፡ ሓዉ መኽሰብ ደበሳይ ኣብ 2016፡ ከምኡ’ውን መርሃዊ ቅዱስ ኣብ 2013፡ ንነሓስ ሜዳልያ በቒዖም።

ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ውድድር ጽርግያ፡ ናትናኤል ብርሃነ ክልተ ግዜ፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ተስፎም ዑቕባማርያምን ሜሮን ኣብርሃምን ነፍሲወከፎም ሓደ ግዜ፡ ኣብ ውድድር ግዜ ትሕቲ 23 ዓመት ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ሓሓንቲ ግዜ ዘውዲ ሻምፕዮን ደፊኦም።

ኤርትራ ብተወሳኺ፡ ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ክሊ ዕድመ፡ ኣብ ውድድር ጽርግያ፡ ብመንገዲ ዝተፈላለዩ ተቐዳደምታ 4 ብሩርን ሓንቲ ነሓስ ሜዳልያን፡ ኣብ ቅድድም ክሮኖሜር ከኣ፡ ክልተ ብሩርን፡ ሰለስተ ነሓስ ሜዳልያታትን ደሊባ።

ኣብ ውድድር ግዜ፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ካብ 2010 ክሳብ 2013 ብተኸታታሊ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝቐልጠፈ ተቐዳዳማይ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ 2015 ብሩር ሜዳልያ፡ ኣብ 2016 ድማ፡ ነሓስ ሜዳልያ ብምንጥልጣል ብፍሉይ ስሙ ኣብ ታሪኽ ሰኒዱ ይርከብ።

ሜሮን ተሾመ ብወገኑ ኣብ 2017 ሻምፕዮን ውድድር ክሮኖሜትር ኣፍሪቃ ኮይኑ እዩ። ብደረጃ ጋንታ ኣብ ውድድር ክሮኖሜትር፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ 2010 ንደሓር ስለ ዘይተሳዕረት፡ ንሸውዓተ ተኸታተልቲ ዓመታት ሻምፕዮን ኮይና፡ መወዳደርቲ ዘይተረኽቦ ክብረወሰን ንምሓዝ ክኢላ።

ብደቂ ኣንስትዮ’ውን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ልክዕ ከም ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዓብላልነት ኣይሃልዋ ደኣ’ምበር፡ ደሓን ዝኾነ ዓወታት ተጓናጺፋ እያ። ኣብ 2013፡ ወሓዚት ኪዳነ ኣብ ውድድር ጽርግያ ነሓስ ሜዳልያ፡ ኣብ ውድድር ግዜ ከኣ፡ ብሩር ሜዳልያ ምንጥልጣላ ይዝከር።

ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ዓመት፡ ንጸሃይነሽ ፍጹም፡ ዮርሳሌም ገብሩ፡ ወሓዚት ኪዳነን ሰናይት መንግስትኣብን ዘሰለፈት ኤርትራ ድማ፡ ኣብ ናይ ክሮኖሜትር፡ ቅድድም፡ ቀዳመይቲ ብምውጻእ ተሸላሚት ወርቂ ሜዳልያ ኮይና።

ብዘይካ’ዚ ኣብ 2015፡ ኤርትራ ንጸሃይነሽ ፍጹም፡ ዮሃና ዳዊት፡ ወሓዚት ኪዳነን ሞሳና ደበሳይን ኣኽቲታ፡ ኣብ ናይ ግዜ ቅድድም፡ ነሓስ ሜዳልያ ወሲዳ።

ኣብ 2017 ሞሳና ደበሳይ ኣብ ውድድር ክሮኖሜትር ተሳቲፋ ብሩር ሜዳልያ ከተንጠልጥል ከላ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ውድድር ግዜ ዝወከላ ተቐዳደምቲ ወሓዚት ኪዳነ፡ ሞሳና ደበሳይ፡ ወጋሕታ ገብረሂወትን ብስራት ገብረመስቀልን ድማ፡ ወርቂ ሜዳልያ ኣምጺአን።

በዚ ኣጋጣሚ ሬድዮ ኤረና፡ ንሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ኣብ ውድድራታ ዓወት ትምነ።
=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0