ኤርትራውያውን ነበርቲ ፈረንሳ፣ ናይ “ይኣክል” ጻውዒት ኣቕሪቦም

Radio Erena: 19 May 2019

ከም መቐጸልታ ናይቲ፣ ብደረጃ ዓለም ኤርትራውያን ዘካይድዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ጻውዒት ይኣክል፣ ኤርትራውያን ነበርቲ ፈረንሳ፣ ብቀዳም 18 ግንቦት ተኣኪቦም ውዒሎም።

እቶም ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ፈረንሳ ናብ ፓሪስ ዝወሓዙ ኤርትራውያን፣ ብዘይካ’ቲ ዘካየድዎ ናይ ይኣክል ጻውዒት፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገሮምን ህዝቦምን፣ ንመጻኢ ክህልዎም ዝግባእ ሓያል ውዳበ፣ ምጥርናፍን ንጥፈታትን ብዝምልከት’ውን ተመያይጦም።

ኣብቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ምትእኽካብ፣ ኣብ ፈረንሳ ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገር ከምኡ ድማ ውዳበን ጥርናፈን ብዝምልከትዝተፈላየየ ርእይቶታት ቀሪቡ።

ኣብ ኤርትራ ን28 ዓመታት ገዚኡ ዘሎ መላኺ ንምእላይ፣ ሓያል ውዳብን ጥርናፈን ከምዘድሊ ዝኣመኑ ኤርትራውያን ነበርቲ ፈረንሳ፣ ኣብቲ ኣስታት 3 ሰዓታት ዝወሰደ ናይ ዘተን ጻውዒት ይኣክልን ምትእኽኻቦም፣ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ፈረንሳ፣ ወከልታ ብምምራጽ፣ ንዝሓየለ ምንቅስቓስ ክሰርሑ ተሰማሚዖም።

ሓደ ካብ ወደብቲ ናይቲ ምትእኽካብ ኣቶ ኣብርሃም ኢያሱ፣ እዚ ምንቕስቃስ ብቀንዱ ብመንእሰያት ዝተወደበ ብምዃኑ፣ መንእሰያት ንኹሉ ‘ቲ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝካየድ ዘሎ ውዳበታት ክርከብዎን ብሓላፍነት ክመርሕዎን ተላብዩ።

ኣባላት ወደብቲ ናይቲ ምትእኽካብ ዝኾኑ ካልኦት መንእሰያት ብወገኖም፣ ገዲም ተጋዳላይ ሓርነት ነበር ኣቶ ኣብራሃም ኢያሱን ብጾቱን፣ ንኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ኣብ ፈረንሳ ንምጥርናፍ ዘካየድዎ ጻዕርታት ብምምስጋን፣ መንእሰያት ነቲ ናይ ፈረንሳ ውዳበታት ንምምራሕ ሓላፍነትን ብቅዓትን ከምዘለዎም ኣረጋጊጾም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ንህሉው ኩነታት ኤርትራን ተቐላቒሉ ዘሎ ንለውጥ ዝድርኽ ምንቅስቓሳትን ሂብዎ ዘሎ ተስፋን ዘንጸባርቁ ዝተፈላለዩ ግጥምታት’ውን ቀሪቦም።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ኤርትራ ን28 ዓመታት ንዝቕጽል ዘሎ፣ ዘይፍትሓዊ ማእሰርቲ፣ ምግሃስ መሰል ደቂ ሰብ፣ ዘይትካላውን ዘይቅዋማውን ምሕደራ ብሓደ ሰብ ዝቆመ መንግስትን ከብቅዕ ዝጽውዕ፣ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ብሰፊሑ ይካየድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እዚ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ፣ ብውልቀሰባት ዝተጀመረ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብደረጃ ውዳቤታት ብእኩብ ብሰፊሑ ይቕጽል ኣሎ።

ናይ ይኣክል ጻውዒት ኣብ ውሽጢ ኤርትራውያን’ውን ጽልዋታት ፈጢሩ፣ መንእሰያት ኣብ መናድቅን ወረቓቕቲ ብምልጣፍ፣ ህይወት ኣሽሓት ዜጋታት ኣሕቂቑ ንዘሎ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ይኣክል ይብሉ ከምዘለዉ፣ ዝተፈላለዩ ወገናት የመልክቱ።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0