ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንቀዳመይ ዓመት ፍጻሜ 21 ጥሪ ስርሒት ፎርቶ ብርሱን ናይ ለውጢ ድሌትን ሃገራዊ ስምዒትን ይዝክርዋ ኣለዉ

ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንቀዳመይ ዓመት ፍጻሜ 21 ጥሪ ስርሒት ፎርቶ ብርሱን ናይ ለውጢ ድሌትን ሃገራዊ ስምዒትን ይዝክርዋ ኣለዉ

Radio Erena: January 20, 2014

Asmara Tank

21 ጥሪ፣ ናይቲ ኣብ ፎርቶ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ዜና ንለውጢ ዝጠልብ ብኣባልት ሰራዊት ኤርትራ ዝተኻየደ ታሪኻዊ ስርሒት ንምዝካር፣ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተፈላለየ መደባት ወዲቦም ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ሓያሎ ኤርትራውያን ደለይዪ ደሞክራስያዊ ለውጢ ነቲ ‘ስርሒት ፎርቶ’ እናበሉ ዝገልጽዎ ዘለዎ ፍጻሜ 21 ጥሪ ንምዝካር፣ ኣብ ኣፍደገ እሜባሲታት ኤርትራ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክውድቡ እንከለዉ፣ ሃያሎ ካልኦት ድማ፣ ንኽብሪ’ቲ ኣብቲ ስርሒት ታሪኽ ሓዲጉ ዝተሰውአ ኮለነል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ክልተ ደቃ ኣብ ኢትዮጵያ ተሰዲዳ ንእትርከብ በዓልቲ ቤቱ ብምሕጋዝ ነታ ዕለት ክዝክሩዋ ወሲኖም ኣለዉ።

 

ዓሚ ኣብ 21 ጥሪ፣ ብክልተ ታንክታት ዝተዓጀቡ ኣስታት 100 ኣባልት ሰራዊት ኤርትራ፣ ንቐጽሪ ሚኒስትሪ ዜና ብምኽባብ፣ ኣብ ኤርትራ ቅዋም ክትግበርን ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑን ዝጠለብ ጻውዒት ከምዘካየዱ ኣይርሳዕን።

ኣብ 21 ጥሪ 2013፣ ረፋድ ከባቢ ሰዓት ዓሰርተ፣ ብኮለነል ሳልሕ ዑስማንን፣ ኮለነል ስዒድ ዓሊ ሕጃይን ዝተመርሑ ኣባላት ሰራዊት ንሚኒስትሪ ዜና ድሕሪ ምቑጽጻሮም፣ ብኡ ንብኡ ብቀጥታ ብሬድዮ ኤረና ንመላእ ማሕበረ ሰብ ዓለም ከምዝተቓለሐ፣ ይዝከር።

እቲ ናይ ፎርቶ ስርሒት፣ ካብ ሰዓት ዓሰርቲ ረፋድ ክሳብ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ምሸት ድሕሪ ምጽንሑ፣ እቲ ኩነታት ከምዝሃድአ ድሕሪ ምሕባሩ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ስርሒት ዘካይዱን ዝወደቡን፣ ዴሞክራስያዊ ሕቶ ዘይኮነ፣ ሕቶ እስላማዊ ጥሩፍነት’ዩ ኔርዎም ክብል ብካድረታቱ ከምዝወንጀሎም’ውን ይፍለጥ።

ኣብቲ ናይ 21 ጥሪ ናይ ፎርቶ ስርሒት፣ ኮለነል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ክስዋእ እንከሎ፣ ነቲ ስርሒት ካብ ዝመርሑ ኮለነል ሳልሕ ዑስማን፣ ድማ ንሓደ ሓደ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ተደፋፊኡ ጌጋ ከምዝፈጸም ንኣባላት ሰራዊት መግለጺ ድሕሪ ምሃብ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ መዝነቱ ደስኪሉ ጽኑዕ ምቑጽጻር ይግበረሉ ከምዘሎ ይጠቐስ።

ብድሕሪ’ቲ ናይ ፎርቶ ስርሒት ድማ ሓደ ካብ እሙናት ኣገልገልቲ ናይቲ ስርዓት ዝነበረ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ዓብደላ ጃብር፣ ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ ድሒሩ ድማ ሚኒስተር ማዕድን ዝነበረ ኣቶ ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ፣ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሙስጦፋ ኑርሑሴን፣ ከምኡ’ውን ሓያሎ ማእከሎት ወትሃደራውያን መኮንናትን ሓለፍቲ ኣካላት ናይቲ ስርዓትን ቀይዲ ምእታዎም ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0