ኤርትራውያን ዝርከብዎም 132 ሓተቲ ዑቕባ ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ግዒዞም

Radio Erena: 04 September 2022

ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ፣ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም 132 ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ግዒዞም።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራር ሃገራት (UNHCR)፣ ብ2 መስከረም ብዘውጽኦ መግለጺ መሰረት፣ ካብቶም ኣብ መበል 11 ዙርያ፣ ናብ ርዋንዳ ግዝዒዞም ዘለዉ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ሶማል፣ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን እቶም 38 ቆልዑ’ዮም።

እቶም ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብ ርዋንዳ፣ ግዝያዊ መጽንሒ ማእከል ጋሾራ ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት እናተቐረበሎም፣ ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ናይ ምጥያስ መስርሕ ክጽበዮ’ዮም።

UNHCR ኣቐዲሙ ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ዘግዕዞም፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ኣስታት 400 ሓተቲ ዑቕባ፣ መብዛሕቶም በብእዋኑ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ከምዝተጣየሱ ጸብጻብ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ይሕብር።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0