ኣስታት ሓደ ሽሕ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ሖሎት-እስራኤል ናብ ሲናይ ይምለሱ ኣለዉ

ኣስታት ሓደ ሽሕ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ሖሎት-እስራኤል ናብ ሲናይ ይምለሱ ኣለዉ

Radio Erena: 27 June 2014

Holot

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 2 ሽሕ ስደተኛታት ከካይድዎ ዝጸንሑ ተቓውሞ ብምቕጻል፣ ናብ ሲናይ የምርሑ ምህላዎም ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ ቴልኣቪቭ ኣረጋጊጹ።

እቶም ስደተኛታት ኩነታቶም ህጹጽ ፍታሕ እንተዘይረኺቡ፣ በቲ ዝመጽሉ መንገዲ ሲናይ ኣቢሎም ክምለሱ ምዃኖም ብምግላጽ’ዮም ብእኩብ ናብ ሲናይ ውሒዞም ዘለዉ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ብወትሃደራት እናዓጀበ ኩነታቶም ክከታተሎ እኳ እንተጸንሐ፣ ናብ ሲናይ ከይኣትዉ ክኽልክሎም ጀሚሩ ኣሎ።

ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ትካላት ግብረ ሰናይን’ውን ጎን ጎኖም እናተጓዕዛ ንኩነታቶም ይከታተላ ምህላወን ተፈሊጡ።

እቶም እሱራት፣ ነቲ መዓልታዊ ንሰለስተ ግዜ ዝካየደሎም ቁጽጽር ወይ ፎልዮንን ካልእ ኣተሓሕዛ እቲ ቤት ማእሰርትን ንምቅዋም ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ሖሎት ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ምክያድ ምጽንሖም ኣቐዲሙ ብሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ’ዩ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብታ ሃገር ሓሙሽተ ዓመት ጌርኩም እናበለ ዝገፎም ዝነበረ ስደተኛታት ብምቁራጽ፣ ግዝያዊ ናይ ክልተ ወርሒ መንቐሳቐሰ እናሃበ ከፋንዎም እንከሎ፣ በንጻሩ ነቶም ኣቐዲሙ ዝሓዞም ኣስታት 2 ሽሕ ስደተኛታት ግና ሖሎት ኣብ ዝታባህለ ኣብ በረኻ ኣብ ዝተደኮነ ቤት ማእሰርቲ  ኣብ ሕማቕ ኩነታት’ዩ ዳጕንዎንም ዝርከብ።

ኣስታት ሓደ ሽሕ ካብዞም ናብ ሲናይ ዝምለሱ ዘለዉ ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኤርትራውያን ምዃኖም ይግለጽ።

ነቲ ኩነታት እናተኸታተልና፣ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ከነቕርበልኩም ኢና።

===============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0