ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታት ሒዛ ዝጠሓለት ጃልባ ንምርኢት ክትቀርብ’ያ

Radio Erena: 09 May 2019

ኣብ 18 ሚያዝያ 2015፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓለት ጃልባ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ፣ ኣብ ኢጣልያ፣ ከተማ ቬኒስ ንምርኢት ክትቐርብ እያ።

ነታ ጃልባ ናብ ምርኢት ከቕርባ ካብ ስበ ስልጣን ኢጣልያ ፍቓድ ዝረኸበ ስዊዘርላንዳዊ ስነ ጥበበኛ፣ ክሪስቶፍ ቡሸል’ዩ።

እታ ኣብ ቬኒስ ኣብ ዝካየድ፣ ሓደ ካብ ዓበይቲ ኣጋጣሚታት ንምርኢት እትቐርብ ዘላ ጃልባ፣ “ባርሳ ኖስትራ” ማለት “ጃልባና” ዝብል ኣርእስቲ እንተዘይኮይኑ ዝኾነ ካልእ መግለጺ ኣይክግበረላን’ዩ።

እታ ኣስታት 900 ዝኾኑ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ሶማል፣ ጊኒቢሳው፣ ናይጀርያ፣ ባንግላድሽን ካልኦትን ጽዒና ዝጠሓለት ጃልባ፣ ካብ 370 ሜትሮ ጥልቀት ባሕሪ ንምውጻኣ፣ 12 ሚልዮን ዶላር ከምዘድለዮ መንግስቲ ኢጣልያ የመልክት።

እቲ መንግስቲ፣ ነታ ዝጠሓለት ጃልባ ብክንድዚ ዝኣከል ወጻኢታት ካብ ዝጠሓለቶ ከውጽኣ ዝደለየሉ ምኽንያት፣ ድማ ዜግነት ናይቶም ዝጠሓሉ ንምልላይን ግቡእ ቀብሪ ንኽረኽቡን’ዩ ይብል።

ካብቲ ሓደ ካብ ከበድቲ ሓደጋታት ማእከላይ ባሕሪ ምዃኑ ዝተገልጸ ምጥሓል፣ 28 ሰባት ጥራይ ብህወይት ከምዝደሓኑ’ዩ ዝግለጽ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 3
  • comment-avatar
    Haile 5 years ago

    “ባርካ ኖስትራ”

  • comment-avatar

    Bsenki hgdef eu ezi kulu seb tefiu zelo yakl nmlki yakl sdet. Eta jalba nmret ktkerb eya mbal neti hazenu wediu znebere mzkkar eu, bwegeney aymedleyen neru.

  • comment-avatar
    Weldetensea Begos 5 years ago

    Fashishtawi sirat higdef nigezae hizbu zikehadelu humet iya itezekakir.