ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ምስ ሰበ ስልጣን ኡጋንዳ ዘትዮም

Radio Erena: 05 March 2023

ስእሊ፡ ኣርካይቭ ኢንተርነት

ኣብ ዩጋንዳ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ፡ ብሓሙስ ክልተ መጋቢት ምስ ሰበ ስልጣን ናይታ ሃገር ተራኺቦም ዘትዮም።

እቲ The Eritrean Diaspora Conference ዝተሰምየ ዓውደ ዘተ፡ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኡጋንዳ ንዝተራሕወሎም ዕድላት ከመስግንሉን፡ዘጋጥሞም ጸገማት ክፍትሕሉ ዝኽእሉ ዕድላት ንምልዛብን ዝተወደበ እዩ ኔሩ።

ኣብቲ ሓደ መዓልቲ ዝወሰደ ዘተ፡ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ኣውፈርቲ ክርከቡ እንከለዉ፡ ሚንስትሪታት መሬት፡ ንግድን ኢንዳስትርን፡ ጉዳያት ወጻእን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን ዝርከብዎም፡ ልዕሊ 30 ሚንስተራትን ወከልቶምን ተረኺቦም።
ኣብ ቀረባ እዋን Eritrean Affairs ዝበሃል ንጸገማት ኤርትራውያን ዝሰምዕ ቤት ጽሕፈት ንኽኽፈት ቃል ከም ዝተኣተወሎም ቢቢሲ ምስ ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ኣስፊሩ ኔሩ።
እቶም ኣውፈርቲ፡ ብመንገዲ’ዚ ዘተ፡ ኣብታ ሃገር ከጋጥሞም ዝጸንሐ ቢሮክራስያዊ ዕንቅፋት መፍትሒ ክረኽብሉ ተስፋ ከም ዘለዎም፡ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ የረድእ።

ኣብ ዩጋንዳ ብገምጋም ኣስታት 27 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝቕመጡን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ናይታ ሃገር ልዑል ወፍሪ ብምግባር ኣብ ምድንፋዕ ቁጠባ ናይታ ሃገር ዘይነዓቕ ተራ ከም ዝጻወቱን ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0