ኤርትራውያን ኣብ ዝተዓቝብሉ  መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽ ናይ ኢትዮጵያ ዝነበረ ወኪል UNHCR ንጥፈታቱ ደው ከምዘበለ ይግለጽ ኣሎ

ኤርትራውያን ኣብ ዝተዓቝብሉ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽ ናይ ኢትዮጵያ ዝነበረ ወኪል UNHCR ንጥፈታቱ ደው ከምዘበለ ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena : 05 June 2015

Adiharush

ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቝምሉ ኣብ ዘለዉ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ናይ ኢትዮጵያ ዝነበረ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት – UNHCR ኣብቲ መዓስከር ዝነበሮ ንጥፈታት ደው ኣቢሉ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ወኪል UNHCR ኣብ መዓስከር ዓዱ ሓሩሽ፣ ኣብቲ መዓስከር ዝነበሮ ባንዴራ ኣውሪዱ ካብቲ ቦታ ካብ ዝእለ ልዕሊ ሓደ ወርሑ ጌሩ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ጠንቒ ናይዚ ብንጹር ከምዘይተፈልጠ’ውን ጠቒሶም።

ብመሰረት ካብቲ መዓስከር በጺሑና ዘሎ ሓበሬታ፣ እቲ ወኪል UNHCR ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጉዳያቶም ካብ ምስማዕን ዝኾነ ኣገልግሎታት ካብ ምህብ’ውን ኣቛሪጹ ኣሎ።

 

ሰኑይ 1 ሰነ 2015 ኣብቲ መዓስከር ኣብ ዝተኻየደ ምዕዳል ወርሓዊ መቑነን’ውን ዝኾነ ወከልቲ UNHCR ከምዘይተረኽበ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የመልክት።

ሬድዮ ኤረና፣ ብዛዕባ’ዚ ወኪል UNHCR ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ዝነበሮ ንጥፈታት ደው ኣቢሉ ዝብል ሓበሬታን ኣብ ካልኦት መዓስከራት ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታትን ተወሳኺ ምጽራይ ክትገብረሉ ጻዕርታት ተካይድ ኣላ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝዕቖብሉ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት ከምዘሎ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ናይ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገራት ናይ ምጥያስ ዕድላት ብዘይምህላዉን ምረት ናብራ ናይቲ መዓስከረን ንብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣጨንቑ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ካብዚ ብዝነቀለ፣ ኣብዘን ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ብምሕደራ እቲ መዓስከር ተስፋ ዝቖረጻ ክልተ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ርእሰ ቅትለት ከምዝፈጸማ’ውን ኣረጋጊጾም።

እተን ደቂንስትዮ ኣብ ገዛእ ርእሰን ላምባ ብምንስናስ ብባርዕ ህይወተን ከሕልፋ እንከለዋ፣ ሓደ ነባሪ እቲ መዓስከር ዝኾነ ኤርትራዊ ስደተኛ’ውን ተመሳሳሊ ፈተነ ቅትለት ብምክያዱ፣ ብኸቢድ ቆሲሉ ኣብ ሽረ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ተዓቝቡ ኣሎ።

==============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0