ኤርትራዊ ኣትለት ግርማይ ገብረስላሴ፣ ኣብ ታሪኽ ውድድር ማራቶን ብዕድመ ዝንኣሰ ተዓዋቲ ወርቂ ማዳልያ ብምዃን ክብረ ወሰን ሒዙ

ኤርትራዊ ኣትለት ግርማይ ገብረስላሴ፣ ኣብ ታሪኽ ውድድር ማራቶን ብዕድመ ዝንኣሰ ተዓዋቲ ወርቂ ማዳልያ ብምዃን ክብረ ወሰን ሒዙ

Radio Erena: 24 August 2015

atlGol

ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ኣትለቲክስ፣ ኤርትራዊ ኣትለት ግርማይ ገብረስላሴ፣ ኣብ ታሪኽ ውድድር ማራቶን ብዕድመ ዝነኣሰ ተዕእዋቲ ወርቂ ማዳልያ ብምዃን ክብረ ወሰን ሒዙ።

እዚ ኣብ ታሪኽ ኣትለቲክስ ፍሉይ ክብረ ወሰን ተባሂሉ ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወት ኤርትራዊ ኣትለት፣ ኣብ ቻይና ዝካየድ ዘሎ ቅድድም ኣትለቲክስ ሻምፕዮና ዓለም፣ ብቀዳም 22 ነሓሰ ኣብ ዝተኸፍተሉ እዋን’ዩ።

ወዲ 19 ዓመት ኤርትራዊ፡ ግራማይ ገብረስላሴ፡ ቅድድሙ ብ2 ሰዓታትን12 ደቓይቕን 28 ካልኢታትን ብምፍጻም፡ ተዓዋቲ ኮይኑ። ኤርትራ ድማ፡ ኣብ ታሪኽ ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ንፈለማ እዋን ብመንገዲ ግርማይ ወርቂ መዳልያ ረኺባ ኣላ። ንግርማይ ስዒቦም ኢትዮጵያዊ የማነ ጸጋይን (2:13:07) ኡጋንዳዊ ሙንዮ ሰለሙን ሙታይን (2:13:29) ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም ኣትዮም። ኣብ’ዚ ውድድር ዝተኽፈሉ ካልኦት ክልተ ኤርትራውያን፡ ኣማኑኤል መሰል (2:15:06) ታሽዓይ ተርታ ክሕዝ ከሎ፡ በራኺ በየነ ድማ፡ ውድድሩ ኣይዛዘመን። 

 

ኣብ ናይ 10 ሽሕ ሜትሮ’ውን ኤርትራውያን ኣትሌታት ኣብራር ዑስማን ሻዱሻይ፡ ንጉሰ ኣምለሶም (ወዲ ሓኪም) መበል 13 ተኽለማርያም መድህን መበል 19 ተርታ ክሕዙ እንከለዉ፣ ሶማላዊ መበል ዘለዎ እንግሊዛዊ መሓመድ ፋራህ፡ (27:01:13)፡ ደጊሙ ሻምፕዮን ዓለም ውድድር ጉያ እግሪ 10 ሽሕ ሜትር ኮይኑ።

ኬንያውያን ኣትሌታት ጆፍሪ ኪፕሳንግ ካምዎሮርን ፖል ታኑይን ካልኣይን ሳልሳይን ብምዃን ብሩርን ነሓስን ተዓዊቶም።

ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ድማ፣ ሻምፕዮን ኤርትራ 2015 ናትናኤል ብርሃነ ኣብ ዝሳተፈሉ፡ መበል 70 ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ቮልታ ስጳኛ 7.4 ኪሎ ሜትር ብዝንውሓቱ ናይ ጋንታ ውድድር ግዜ (ክሮኖ ሜትር) ኣብ ዝተኸፍተሉ፣ ንናትናኤል ዝሓቖፈት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክልተብ ኤምቲኤን ኩቤካ መበል 14 ደረጃ ሒዛ።

158.7 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዘለዎ ካልኣይ መድረኽ ቮልታ ስጳንያ ትማሊ ሰንበት 23 ነሓሰ ኣብ ዝተሰላሰለሉ፡ ተቐዳዳማይ ክለብ ኦሪካ-ግሪንኤጅ ኮሎምብያዊ ኤስተባን ቻቨስ ንመወዳድርቱ ብምርሕራሕ ክዕወት ከሎ፡ ኣባል ክለብ ኤም.ቲ.ኤን. ኲቤካ፡ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ድማ፡ 2 ደቓይቕን 52 ካልኢታትን ድሒሩ መበል 45 ኮይኑ ውድድሩ ፈጺሙ። 42 ካልኢታት ተፈንቲቱ መበል 14 ተርታ ዝሓዘ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልዊስ መይንትጀስ፡ ካብ ክለብ ኤም.ቲ.ኤን. ቀዲሙ መዛዘሚ ሕንጻጽ ዝረገጸ እዩ።
===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0