ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሎሚ ሰንበት 27 የካቲት ኣብ ከተማ ኪጋሊ ንዝተፈጸመ መበል 14 ዙር ርዋንዳ ተዓዊቱሉ

Radio Erena: 27 February 2022

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኢጣልያዊት ፕሮኮንቲነንታል ቲም ኣንድሮኒ ጂዮካቶሊ ሲደርሜክ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሎሚ ሰንበት 27 የካቲት ኣብ ከተማ ኪጋሊ ንዝተፈጸመ መበል 14 ዙር ርዋንዳ ተዓዊቱሉ።
ናትናኤል ነዚ 8 መድረኻት ዘጠቓለለን 930 ኪሎ ሜትርን ዝሸፈነ ዙር ብ23 ሰዓታት 25 ደቓይቕን 34 ካልኢታትን እዩ ዓሚምዎ። ንሱ ካልኣይ ንዝወዝጸ ዩክሬናዊ ኣናቶሊ ቡድያክ ብ26 ካልኢታት ክበልጾ ከሎ፡ ሳልሳይ ደረጃ ንዝሓዘ ኣየርላንዳዊ ጀሴ ኤዋርት ድማ ብ48 ካልኢታት ማሕዲግሉ።
እዚ ኣብ 2020’ውን ጐብለል ዙር ርዋንዳ ዝኾነ ወዲ 22 ዓመት ተቐዳዳማይ፡ ብጀካ ንብጫ ማልያ፡ ንሰማያዊ ማልያ “ብሉጽ መንእሰይን” ንቀጠልያ ማልያ “ብሉጽ ኣፍሪቃዊን” ‘ውን ንብሕቱ ክገብረን በቒዑ እዩ።
ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ንናትናኤል ተኸቲሉ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘ ካልእ ኤርትራዊ ሄኖክ ሙሉብርሃን ብወገኑ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ናይ ግዜ ውድድር 5ይ ተርታ ክስራዕ ከሎ፡ ምስ ጋንትኡ ጀርመናዊት ኮንቲነንታል ቲም ድማ ብደረጃ ክለብ ተዓዋቲ ዙር ርዋንዳ ኮይኑ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0