ኤርትራዊት ኦሎምፒካዊት ኣትለት ራሄል ዳንኤል፡ ኣብ ከተማ ካሊ ኮሎምብያ ኣብ ዝተሰላሰለ ውድድር ጉያ 10 ሽሕ ሜትር ቀዳመይቲ ተዓዊታ

Radio Erena: 11 September 2022

ኣብ መሳልል ደረጃ ኣትሌታት ውድድር ጉያ መሮር ዓለም ኣብ ቀዳማይ ተርታ ተሰሪዓ እትርከብ፣ ኤርትራዊት ኦሎምፒካዊት ኣትለት ራሄል ዳንኤል፡ ሎሚ ሰንበት 11 መስከረም፡ ኣብ ከተማ ካሊ ኮሎምብያ ኣብ ዝተሰላሰለ ውድድር ጉያ 10 ሽሕ ሜትር LA CARRERA DEL PACÍFICO ቀዳመይቲ ብምውጻእ ትርኑዕ ዓወት ኣመዝጊባ።

ጓል 20 ዓመት ራሄል ነዚ ናይ ሎሚ ውድድር፡ ብ32 ደቓይቕን 23 ካልኢታትን እያ ዓሚማቶ።

ንራሄል ብ30 ካልኢታት ስዒባ ኬንያዊት ኣትለት ሞኒካ ንጊገ ካልኣይ ደረጃ ክትሕዝ ከላ፡ ካልእ ኬንያዊት ቬሮኒካ ንያሩዋን ድማ፡ ብተወሳኺ 8 ካልኢታት ድሒራ ሳልሳይ ተርታ ተሰሪዓ።

ራሄል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ሄንጌሎ ኔዘርላንድስ ኣብ ዝተቓነዐ፡ ውድድር ጉያ 10 ሽሕ ሜትር፡ ብኣትሌት ወይኒ ቐላቲ ተታሒዙ ንዝነበረ ክብረወሰን ኤርትራ፡ ብ11 ካልኢታት ብምምሕያሽ፡ ብ30 ደቓይቕ፡ 59 ሃገራዊ ክብረወሰን ከም ዝጨበጠት ይዝከር።

ጸኒሓ`ውን ነዚ ክብረወሰን’ዚ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብ ኦሬጎን ኣብ ዝገበረቶ ውድድር ዳግማይ ብ47 ካልኢታት ኣመሓይሻቶ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0