ኤርትራዊት ኢንተርናሽናል ዳኛ ሱዛን ሰመረ፣ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ግጥማት ሻምፕዮን ኩዕሶ እግሪ ትሕቲ 20 ዓመት ደቂንስትዮ ሴካፋ፡ “ብልጽቲ ዳኛ” ተባሂላ ወርቂ ማዳልያ ተሸሊማ

Radio Erena: 10 November 2021

ኤርትራዊት ኢንተርናሽናል ዳኛ ሱዛን ሰመረ፡ ካብ 30 ጥቅምቲ ክሳብ 9 ሕዳር ኣብ ንጀሩ ኡጋንዳ ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ውድድር ሻምፕዮን ኩዕሶ እግሪ ትሕቲ 20 ዓመት ደቂንስትዮ ሃገራት ሴካፋ፡ ንዝተዋህባ ግጥማት ብብቕዓት ብምምራሓ፡ “ብልጽቲ ዳኛ ናይ’ቲ ውድድር” ተባሂላ ወርቒ ሜዳልያ ተሸሊማ።

ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ኣህጉራዊ ውድድር ንመጀመርያ ግዜ ዝተኻፈለት ሱዛን፡ ከም መርኣያ ናይ’ቲ ኣብ ዝሓለፉ ጸወታታት ክተርንጸባርቖ ዝቐነየት ብሉጽ ብቕዓት፡ ነቲ ብሰሉስ 9 ሕዳር ብዓወት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኡጋንዳ 3 ብ 2 ዝተፈጸመ ወሳኒ ግጥም ንኽትመርሕ ቀዳምነት ተዋሂብዋ።

እዚ ሃገራት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኡጋንዳ፡ ታንዛንያ፡ ብሩንዲን ጅቡቲን ዝተሳተፋሉ ውድድር፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሉ ግጥማታ ላዕለዋይ ኢድ ብምሓዝ ብ15 ነጥቢ ሻምፕዮን ኮይና ክትዕወተሉ ከላ፡ ኡጋንዳ ብ12 ነጥቢ፡ ታንዛንያ ብ9 ነጥቢ፡ ብሩንዲ ብ6 ነጥቢ፡ ኤርትራ ብ3 ነጥቢ፡ ቡቲ ድማ ብዘይ ነጥቢ ካብ ካልኣይ ክሳብ ሻዱሻይ ደረጃ ተሰሪዐን።

ንጂቡቲ ጥራይ ስዒራ ኣብ ካልኦት ኣብ 4 ግጥማታ ዝተሳዕረት ኤርትራ፡ እንትርፎ ኣብ’ቲ ብኢትዮጵያ 5 ብ 0 ዝተረዓትሉ ጸወታ፡ ኣብ ካልእ ግጥማታ ዝነኣድ ተወዳዳርነት ብምንጽብራቕ፣ ብጸቢብ ተሳዒራ’ያ ካብ ሜዳ ወጺኣ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ኣብ መንጎ’ዚ ዞባዊ ግጥማት፣ ሓሙሽተ ኣባላት ከምዝተሰወራኣ ይዝከር።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0