ኤርትራን የመንን ዛጊት ክረዳድኣሉ ኣብ ዘይክኣላ ጉዳይ ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳ ዘተኮረ ተወሳኺ ዝርርብ ኣካይደን

ኤርትራን የመንን ዛጊት ክረዳድኣሉ ኣብ ዘይክኣላ ጉዳይ ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳ ዘተኮረ ተወሳኺ ዝርርብ ኣካይደን

Radio Erena: April 7, 2014

yemeni Minister

ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ የመን ዓዋድ ኣል ሶካርቲ ኣብ ጉዳይ እቲ ምስ ኤርትራ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብምትኳር ምስ ወኪል ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ የመን መሓመድ ሑመድ መሓመድ ከምእተዘራረበ መንግስቲ የመን ኣፍሊጡ።

ኣገልግሎት ዜና የመን-ሳባ ኣቕሪብዎ ብዘሎ ሓበሬታ፣ እቲ ሚኒስተር ምስ ወኪል ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሰንዓ ትማሊ ሰንበት 6 ለካቲት ብምርኻብ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዘርብሕ ጉዳይ ምግፋፍ ዓሳ ሓባራዊ ምርድዳእ ክብጻሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምእተሰማምዑ ጠቒሱ።

 

ኤርትራን የመንን ድሕሪ’ቲ ብሰንኪ ደሴታት ዙቑር ሓኒሽ ዘጋጠመ ምስሕሓብ፣ ንምንጻር ማያዊ ክልን ዋንነት እተን ደሴታትን ዝምልከት ዝተዋህበ ብየን ብዘይካትዕ መንገዲ ክቕበልኦ እንከለዋ፣ ንጉዳይ ባህላውያን ገፈፍቲቲ ዓሳ ብዝምልከት ዝሰፈረ ንጥብታት ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ክረዳድኣሉ ኣይከኣላን።

ብሰንኩ ድማ፣ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ እናኣተዉ ዓሳ ክገፉ ረኺብዎም ንዝበሎም ኣማኢት የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ በብእዋኑ ክቕይድ ከምዝጸንሐ የመን ብቐጻሊ እተማርረሉ ጉዳይ’ዩ።

መንግስቲ የመን፣ ኣብቲ ንጹር መረዳእታ ክህሉን ምትሓዝ የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ብኤርትራ ከብቕዕን ኣብ ዝብል ነጥብታት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተደጋጋሚ ዝርርባት እኳ እንተካየደ፣ ዛጊት ኣብ ንጹር ስምምዕ ክበጽሑ ከምዘይክኣሉ’ዩ ዝንገር።

መንግስቲ የመን፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ዝካየድ ዝርርባት፣ ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዘለዉ የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ክልቐቑ ከካይዶ ብዝጸንሐ ጻዕርታት ልዕሊ 400 ካብኣቶም ኣብዚ ዝሕእለፈ መንፈቕ ክልቐቑ እንከለዉ፣ ኣስታት 100 ዝኾኑ የመናውያን ገፍቲ ዓሳ ድማ ገና ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ከምዘለዉ’ዩ ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ የመን ዝወቅስ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0