ኤርትራን የመንን ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ተዘራሪበን

ኤርትራን የመንን ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ተዘራሪበን

Radio Erena: 26 November 2014

Yemen Eri secu

ሓድሽ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት የመን ኮይኑ ዝተመዘዘ ጃላል ኣል ሮዌሻን ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ የመን መሓመድ ሸኽ ዓብዱ ጀሊል ተራኺቡ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ዘተኮረ ዝርርብ ምክያዱ ኣገልግሎት ዜና የመን ሓቢሩ።

እቲ ትማሊ ሰሉስ 25 ሕዳር ኣብ ከተማ ሰንዓ ዝተኻየደ ርክብ ዘተኮረሉ ዛዕባ ብዝርዝር እኳ እንተዘይተነጸረ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ክግበር ንዝኽእል ምትሕግጋዝ ዘድሃበ ምንባሩ’ዩ ተገሊጹ።

ኣብቲ ርክብ፣ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ የመን መሓመድ ሸኽ ዓብዱ ጀሊል መንግስቲ የመን ኣብት ሃገር ንዝርከቡ ኤርትራውያን ዝገብረሎም ንዘሎ ምትሕግጋዝ ኣምስጊኑ።

 

ጎኒ ጎኑ’ውን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት የመን ምስ ኣምባሳደር ፓኪስታን ተመሳሳሊ ርክባት ምክያዱ እቲ ወግዓዊ ማዕከን ዜና ጠቒሱ።

ኣቐዲሙ’ውን ሓድሽ ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ የመን ኮይኑ ዝተመዘዘ ፋሃድ ካፋን ኣብ ጉዳይ’ቲ ንኤርትራን የመንን ዘሰሓሕብ ዘሎ ምግፋፍ ዓሳ ብምትኳር ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ ከምዝተዘራረበ ይዝክር።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0