ኤርትራን የመንን ኣብ ጉዳይ ምግፋፍ ዓሳ ተወሳኺ ዝርርብ ኣካይደን

ኤርትራን የመንን ኣብ ጉዳይ ምግፋፍ ዓሳ ተወሳኺ ዝርርብ ኣካይደን

Radio Erena: 19 November 2014

Yem Eri

ኤርትራን የመንን ኣብ ጉዳይ ምግፋፍ ዓሳ ተወሳኺ ዝርርብ ኣካይደን።

ነቲ ዝርርብ ዘካየዱ፣ ካብ ወገን መንግስቲ የመን ሓድሽ ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ ኮይኑ ዝተመዘዘ ፋሃድ ካፋን ክኸውን እንከሎ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ድማ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ የመን መሓመድ ሸኽ ዓብዱ ጀሊል’ዮ።

ወከልቲ መንግስታት ኤርትራን የመንን ኣብቲ ብሰኑይ 17 ሕዳር ኣብ ሰንዓ ዘካየድዎ ዝርርብ፣ እቲ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ንየመንን ኤርትራን ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ባህላዊ ምግፋፍ ዓሳ ነባሪ ፍታሕ ክርከበሉ፣ ሓባራዊ ኮሚተ ሚኒስተራት ክልቲኤን ሃገራት ክትቐውም ኣብ ዝብል ነጥቢ ዘትዮም።

 

ኣብቲ ርክብ፣ ሚኒስተር ሃብታ ዓሳ የመን ፋሃድ ካፋን፣ ነቲ ኣብ መንጎ’ዘን ክልተ ሃገራት ዝርአ ዘሎ ጸገማት ንምእላይ ሓባራዊ መዘክር ክኽተም ኣድላዩ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኤርትራን የመንን ድሕሪ’ቲ ብደሴታት ዙቑር ሓንሽ ዝወልዐኦ ግጭት፣ ክሊ ማልይ ክልቲኤን ሃገራት ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ብዝሃቦ ብይን ዝተነጸረ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ጉዳይ ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳ ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ክረዳድኣሉ ኣይከኣላን።

መንግስቲ ኤርትራ ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ እናኣተዉ ዓሳ ክገፉ ጸኒሖም ንዝበሎም የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ብቀጻሊ ከምዝሕዝ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መንግስቲ የመን ከኣ፣ ብዛዕባ’ዚ ምርድዳእ ክግበር’ዩ ዝሓትት ዘሎ።

ኣብ ኤርትራ በብእዋኑ ዝተታሕዙ ኣስታት ሓደ ሽሕ የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ከምዝነብሩ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ብዝተኻየደ ምርድዳእ መብዛሕቶም ከምዝተለቑ ኣይርሳዕን።

ዝሓለፈ ሰሙን’ውን 12 የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከምዝተታሕዙ መንግስቲ የመን ምግላጹ ይዝከር።

==========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0