ኤርትራን ኢትዮጵያን ግብጺን፣ ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ዝኣሰራ ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይነን

Radio Erena: 02 January 2023

ኣብዛ ዝተዛዘመት ዓመት፣ ኣብ ኣፍሪቃ ብጠቕላላ 56 ጋዜጠኛታት ኣብ ማእሰርቲ ከምዘሕለፍዎ ተገሊጹ።

ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ ክሳብ ባሕቲ ታሕሳስ 2022 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ግብጺ 21 ጋዜጠኛታት ከምዝኣሰረት ከመልክት እንከሎ፣ ኣብ ኤርትራ ድማ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዞም ዝተኣስሩ ብውሕዱ 16 ጋዜጠኛታት ምህላዎም ኣመልኪቱ።

ኣብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዝተኣስሩ 56 ጋዜጠኛታት እቶም ልዕሊ ፍርቂ ኣብ ኤርትራን ግብጺን’ዮም ዝርከቡ።

ብደረጃ ዞባ፣ ምብራቕ ኣፍሪቃ እቲ ዝበዝሐ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ዝተራእየሉ ክፋል ናይዛ ኣህጉር ኮይኑ፣ ኤርትራ ነቲ ዞባ ክትመርሕ እንከላ፣ ኢትዮጵያን ርዋንዳን’ውን በብእዋኑ ዝኣሰርኦም ጋዜጠኛታት ንኤርትራ ስዒበን ካልኣይን ሳልሳይን ኣለዋ።

ኢትዮጵያ ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ናይ ብሄር ግጭታትን ተተሓሒዙ በብእዋኑ ሓያሎ ጋዜጠኛታት እኳ እንተኣሰረት፣ ንዝበዝሑ ክትፈትሖም ክኢላ’ያ።

ዜጋታት፣ብዘይሕጋዊ መስርሕ ምድጓንን ሃለዋቶም ምጥፋእን ልሙድ ተርእዮ ኣብ ዝኾነ ኤርትራ ግና መብዛሕቶም እቶም ተኣሲሮም ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ንልዕሊ 21 ዓመታት ዝተሓየሩ’ዮም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ደሃይ ናይቶም ንዓመታት ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ዘለዉ ጋዜጠኛታት ንስድራቤታቶም ከፍልጥን ጉዳዮም ሕጋዊ መስርሕ ክኽተልን፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ተደጋጋሚ ጻውዒት ዘቕርብ እኳ እንተኾነ፣ እቲ መንግስቲ ጸማም እዝኒ’ዩ ዝህበሉ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0